Welcome to Radio Erena!
‘ኣብ ዓመተ 2013፣ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ማልታን ኢጣልያን ኣትዮም’ –IOM
Radio Erena: January 30, 2014
ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፣ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ዝሰገሩ 45 ሽሕ ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ካልእይ ደረጃ ዝተሰርዐ ቁጽሪ ናይ ኤርትራውያን ምንባሩ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት-(IOM) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ 2013 ናብ ማልታን ኢጣልያን ብጀላቡ ካብ ዝሰገሩ 45 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ኣስታት 12 ሽሕ ሶርያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ኣስታት 10 ሽሕ ድማ ኤርትራውያን ምንባሮም እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ብዝሒ ናይ ሶማላውያን ኮይኑ ኣስታት 3500 ይበጽሕ።
ብዘይካ’ዚ’ውን እቶም ኣስታት 8 300 ትሕቲ ዕደመ ቆልዑ ምዃኖም ሓደ ሲሶ ካብዚኣቶም ድማ ብዘይኣላዩ በይኖም ብጃልባ ዝተበገሱ ምንባሮም እቲ ሓድሽ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የመልክት።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣብ ጄኔቫ ኣኼባ የካይድ ኣሎ
Radio Erena: January 29, 2014
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 42 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም፣ ኣብ ጄኔቫ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።
እቲ ካብ 27 ጥሪ ጀሚሩ ክሳብ 7 ለካቲት ዝካየድ ዘሎ ብ Universal Periodic Review (UPR) ዝፍለጥ ኣኼባ፣ ናይተን ብምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ 42 ሃገራት ዓለም፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ናይ ዝነበረ ኩነታት ክግምግም'ዩ።
የመን ሒዛቶም ዘላ ሰለስተ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከይለቐቐት፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘይፍንዎም መንግስቲ ኤርትራ ምግላጹ ተሓቢሩ
Radio Erena: January 29, 2014
የመን ሒዛቶም ዘላ ሰለስተ ኤርራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከይለቐቐት፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ከምዘይለቖም መንግስቲ ኤርትራ ምግላጹ ተሓቢሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዝጸንሐ 132 የመናውያን ገፈፍቲ ድሕሪ ምልቓቑ፣ መንግስቲ የመን፣ እቶም ተሪፍዎም ዘለዉ ኣስታት 400 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ’ውን ክልቐቑ ከምዝሓተተ ብሬድዮ ኤረና ምቕልሑ ይዝከር።
እንተኾነ መንግስቲ የመን ዝሓዞም ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዘየለዉ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ 10 ኤርትራውያን ኣብ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ'ዮም
Radio Erena: January 29, 2014
ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝተኻየደ ተቓውሞ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ፣ 10 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽባሕ ሓሙስ 30 ጥሪ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ቅድሚ 10 መዓልቲ፣ ነቶም ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፣ ብተመሳሳሊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ዝተኸሰሱ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ነፍሲ ወከፎም ክልተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ክእሰሩን 2 ሽሕ ብር ድማ ክኸፍሉን ከምዝተበየነሎም ብሬድዮ ኤረና ተቃሊሑ'ዩ።
እቶም ሓደ ሰብ ዝተቐትለሉን ሓያሎ ድማ ዝቖሰልሉን፣ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ንዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲብኩም ተባሂሎም ንኣዋርሕ ኣብ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ዘይሕጋዊ ኣኼባን ሰልፍን ብምውዳቦምን ብሰንኩ ድማ ናይ ልዕሊ 125 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ብዕናዩ'ንዮም ተኸሲሶም፣ ጉዳዮም ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሰጋገር'ዩ ጸኒሑ።
ኣገልግሎት ፖስት ኤርትራ፣ ብቕዓቱ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ከምዘሎ ተገሊጹ
Radio Erena: January 28, 2014
ኣገልግሎት ፖስት ኤርትራ፣ ሓደ ካብቶም ዝጸፈፈ ዘቤታውይን ኣህጉራውያን ኣገልግሎታት ክህብ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ካብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣትሒዙ፣ ምሕደርኡ እናደኸመ’ዩ ክመጽእ ጸኒሑ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብቲ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።
ብፍላይ’ዚ ምስ ምቕናስ ኣገልግሎት በረራታት መንገዲ ኣኣየር ካብን ናብ ኤርትራ፣ ካብ ወጻኢ ዝተላእከ ደብዳቤታትን ኣቝሑን ናብ ዋናታቶም ክበጽሑ፣ ኣስታት ሓደ ወርሕን ልዕሊኡን ይወስድ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።