‘ቀቢላ ብን ዓምር፣ መበቆሎም ኤርትራ ስለዝኾነ፣ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም’ ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር

RADIO ERENA – Thursday, 25 April 2024

ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ዜጋታት ሱዳን፣ መበቆሎም ካብ ካልእ ሃገር ስለዝኾነ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ ሓላፊ ጸጥታ እቲ ዞባ ነበረ፣ ብርጋዴር ባድረዲን ዓብደልሓከም፣ ናዕቢ ብምልዕዓል ተወቒሱ።

ንሱ ምስ ራድዮ ኡምዱርማን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ብፍላይ ብን ዓምርን ሓባብን ካብ ኤርትራ ዝፈለሱ ምዃኖም ብምእማትዩ ዜግነቶም ክሕደጉ ኣለዎም ዝበለ።

ኣብቲ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ሓያሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲን ዞባ ምብራቕ ሱዳንን፣ ኤርትራ ካብ ዝመበቆሎም ቢን ዓምርን ሓባብን ዝተባህሉ ቀቢላታት ከምዝመጹ ዩ ብኣብነት ጠቒሱ።

ምብራቕ ሱዳን፣ ንቀቢላታት ሃደንደዋን ብን ዓሚር ዘጣመረ ብሄረ ቤጃን ራድሻይዳን ብዓብላልነት ዝነብርዎ ዞባዩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ቶም ቋንቋ ብዳዌት ዝዛረቡ፣ ብተለምዶ ሕዳርብ ዝብሃሉ ሃደንደዋን ተዛረብቲ ትግረ ዝኾኑ ብን ዓምርን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ግጭታት ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ከሰላ ነበር፣ ብርጋዴር ባድረዲን ዓብደልሓከም ብፍላይ ነቶም ብን ዓምርን ሓባብን ዝቀቢልኦም፣ ነበርቲ ምብራቕ ሱዳን ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር፣ ነጺሉ መበቆሎም ወጻእተኛታት ስለዝኾኑ ዜግነት ሱዳን ክሕደጉ ኣለዎም ምባሉ፣ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ምትፍናን ድሕሪ ምፍጣሩ፣ ሓላፍቲ እታ ነቲ ቃለ መጠይቕ ዘቓለሐት ራድዮ ብዛዕባቲ ጉዳይ መብርሂታት ንምሃብን ወግዓዊ ይቕሬታ ንምሕታትን ናብ ካርቱም ፖርሱዳንን ከምዝተንቀሳቐሱን ዮ ተሓቢሩ።

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ብወገኑ፣ እቲ ወኪሉ ኣብ ዞባ ከሰላ ነበር፣ ብጥሮታ ዝተፋነወ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቲ ዝሃቦ መግለጺ ይኹን ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ንመርገጺ እቲ ትካል ዘይውክል፣ ናይ ውልቁ ምዃኑ ዩ ኣስሚርሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0