ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ

RADIO ERENA – Monday, 22 April 2024

 

ኤርትራዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ብሰንበት 21 ሚያዝያ ኣብ ኦስትርያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ከተማ ቪን ቀዳመይቲ ኮይና ብምውጻእ ረዚን ዓወት ኣመዝጊባ።

ብመሰረት ወግዓዊ ማህደር ማሕበራዊ ሜድያ “X” ማራቶን ከተማ ቪን፣ ጓል 34 ዓመት ናዝሬት ወልዱ ነቲ 42 ኪሎሜተር ዝሽፍን ውድድር ብ2 ሰዓትን 24 ደቒቕን 8 ካልኢትን ዛዚማቶ።

ካብ ናዝሬት ብልዕሊ 2 ደቓይቕ ድሒረን ዝኣተዋ ኬንያውያን ኣትሌታት፡ ፈይዝ ኬፕቾይችን ሬቤካ ታኑይን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ናዝሬት በዚ ኣብ ከተማ ቪን ዝተጓናጸፈቶ ዓወት ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ውድድር ኦሎምፒክ ‘ፓሪስ 2024’ ዘሳትፋ ቦታ ኣውሒሳ ኣላ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ኣብ ኦሬጎን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንውድድራ ብ2 ሰዓታት 20 ደቓይቕን 29 ካልኢታትን ብምፍጻም ራብዓይ ደረጃ ኣብ ዝሓዘትሉ፣ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ማራቶን ኤርትራ ዝጨበጠት ናዝሬት፣ ቅድሚ 4 ዓመታት ኣብ ቶክዮ ጃፓን ኣብ ዝተሰላሰለ ውድድር ኦሎምፒክ’ውን ተሰሊፋ ኔራ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0