ወኪል ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣልሓሪት እድሪስ፣ ባይቶ ጸጥታ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክኹንን ጸዊዑ

RADIO ERENA – Wednesday, 24 April 2024

ወኪል ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣልሓሪት እድሪስ፣ ኢማራት ዓረብ ንፈጣን ሓይልታት ሱዳን ኣጽዋር፣ መካይንን ፋይናንሳዊ ደገፍን ትድግፍያ ብዝብል ባይቶ ጸጥታ ክኹንን ድሕሪ ምጽዋዑ’ዩ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ (UAE)፣ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዶጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ትሕግዝያ ዝብል ካብ ሱዳን ዝመጸ ክሲ ነጺጋቶ።

ተሓጋጋዚት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ላና ኑሰይበህ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፣ ነቲ ክስታት “መሰረት ዘይብሉ” ብምባል፣ ካብቲ ብሰንኪ እቲ ውግእ ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምልጋስ ዝግበር ፈተነ’ዩ ኢላ።

ኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ኢዳ ከምዘይተእቱን ሰላማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ተወፋይነት ከምዘለዋን እቲ ደብዳበ ኣስሚሩሉ።

ይኹን’ምበር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘቕረበቶ ወግዓዊ ጥርዓን ክሳብ ሕጂ ውሳነ ኣይሃበን። እቲ ጥርዓን፡ ኢማራት ዓረብ ነቲ ግጭት ኣብ ምብራኽን ብቻድ ኣቢላ ወተሃደራዊ ናውቲ ኣብ ምቕራብን ተሳትፎ ከምዘለዋ ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ክብልን ክልቲኦም ወገናት ናብ ዝርርብ ክምለሱን ጸዊዓ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0