ኣብ ሱዳን ልዕሊ 160 ደቂንስትዮ ከምዝተጨውያ ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ግብጺ፣ 16 ደቂንስትዮ ተኣሲረን

RADIO ERENA – Friday, 26 April 2024

ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዶጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 160 ደቂንስትዮ ከምዝጨወየ ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እዚ ብዛዕባ ምስ ግጭት ዝተኣሳሰር ዓመጽ ዝምልከት ጸብጻብ ካብ ጥሪ ክሳብ ታሕሳስ 2023 ዝሽፍን፤ትማሊ ሰሉስ ናብ ባይቶ ጸጥታ ቀሪቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምጭዋይ ልዕሊ 160 ኣዋልድን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከባ ደቂንስትዮን ተኣማንነት ዘለዎ ሓበሬታ ከምዝረኸበ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ኣብ ካርቱም ዝተጨውያ ደቂንስትዮ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ብሰንሰለት ተኣሲረን ናብ ካልእ ከባቢታት ብፍላይ ድማ ናብ ዳርፉር ከምዝተሰጋገራ፤ ገለ ካብኣተን ኣብ ምንዝርና ወይ ግዱድ መርዓ ንኽኣትዋ ከምዝተገብረ ውን ኣብሪሁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ኣብ ግብጺ 16 ደቂንስትዮ ኣብተን ብኲናት ዝዓነዋ ሱዳንን ጋዛን ዘለዋ ደቂንስትዮ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካይዳሉ ዝነበራ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ተቐይደን።

እተን ጋዜጠኛታት፤ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ደለይቲ ፍትሕን ዝርከብአን ደቂንስትዮ ድምጸን ኣብ ዘስምዓሉ ዝነበራ እዋን ብሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ከምዝተበተና ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንኣራብ ኒውስ ሓቢሮም።

ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ካልድ ዓሊ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ከም ዝጸሓፎ፤ ክሳብ ሕጂ ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝርከብዎ ናይ 18 ኣስማት ዝርዝር ተኣኪቡ’ሎ።

ንሱ ብተወሳኺ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ብሓይሊ ክበታትኑን ክሃርሙን ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዝተዘርገሐ ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0