ኣብ 1991 ደው ዝበለ ኩዕታ ነዳዲ ሶማል ዳግም ይበራበር

RADIO ERENA – Friday, 26 April 2024

ብኩባንያታት ሸቭሮን፣ኢኒ፣ኤክሶንሞቢልን ሸልን ዝርከብዎም ዓለምለኻውያን ኩባንያታት ነዳዲ ኣብ 1950ታት ኣብ ሶማልያ ዳህሳስ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ፣ ኣብ መጀመርታ 1991 እታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ምስ ተሸመመት ግን ደው ከምዘበሉ ይፍለጥ።

ብመሰረት ካብ ሶማል ዝተረኽበ ሓበሬታ ቱርኪ ካብ ዝመጽእ ዓመተ 2025 ጀሚራ ኣብ ሰፊሕ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ነዳዲ ምኹዓት ክትጅምር እያ።

ዋና ዳይሬክተር ሚኒስትሪ ነዳድን ማዕድንን ሶማል መሓመድ ሃሺ ዓብዲ ዓረብንኣገልግሎት ዜና ቢቢሲ ሶማል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ኩዕታ ነዳዲ ኣብ ኣውራጃታት ባራዌን ሆብዮን ከምዝካየድ ዝገለጸ ሚኒስትሪ ማዕድን ሶማል፣ ባራዌ ካብ ሞቃድሾ ንደቡብ ኣስታት 200 .ሜ ርሒቓ ትርከብ ኮይና ሆብዮ ድማ ኣስታት 500 .ሜ ንሰሜናዊ ምብራቕ ትርከብ።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓሙድ፤ እታ ሃገር ንኣህጉራውያን ኩባንያታት ንንግዲ ክፍትቲ ምዃና አዊጁ ኔሩ።

ሶማል ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት’ዚ ጸጥታ ገማግም ባሕራ ንምውሓስ ዝዓለመ ስምምዕ ምስ ቱርኪ ከም ዝተፈራረመት ይዝከር።

ኣብቲ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማል ሃምዛ ዓብዲ ባረ፣ “ሶማልያ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ መሻርኽቲ፣ ፈታዊን ሓውን ክህልዋ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ ነቲ ምስ ቱርኪ ዝተገብረ ናይ ምክልኻልን ቁጠባን ስምምዕ፣ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ድሕሪ ምጽዳቑ፣ ”ታሪኻዊ መዓልቲ” ክብል ገሊጹ ኔሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ቱርኪ ንሓይሊ ባሕሪ ሶማል ስልጠናን መሳርሒታትን ክትህብ፣ ከም ተወሳኺ ድማ ነቲ ማያዊ ግዝኣት ሶማል ካብ ከም ግብረሽበራ፣ ቅርሰና ባሕሪ ከምኡ ውን ”ምትእትታው ወጻእተኛታት” ዝኣመሰሉ ስግኣታት ክትከላኸለሉ ተገሊጹ ኔሩ።

እቲ ንመጀመርያ ግዜ ብ8 ለካቲት ብሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸተመ ስምምዕ ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ሰብ መዚ ሶማልያ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።

በዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት ቱርኪ ንሶማል ጸጥታውን ልምዓታውን ደገፍ ክትህብ እንከላ፣ ኣምሳያ ናይዚ ድማ ጽልዋኣ ኣብ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ ዝሕግዝ’ዩ” ይብል መሓመድ ዝተባህለ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ምርምራዊ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ራድ ፒስ ዝመርሕ ተንታኒ ፖለቲካ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0