ጀርመን ኣሰረ ፈረንሳ ብምስዓብ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊረን ዝጸንሓ ናይ ኲናት መራኽባ ስሒባ

RADIO ERENA – Tuesday, 23 April 2024

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነቲ ሑቲ ናይ የመን ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕታት ንምግታእ ዘዋፈርኦ ሓይሊ ባሕሪ ይስሕባ ኣለዋ።

ፈረንሳ፡ ኣዋፊራ ዝነበረ ፍሪጌትር ዝዓይነታ ናይ ኲናት መርከብ፡ ዓጢቓቶ ዝነበረት ተተኳሲ ወዲኣ ብዝብል ክትስሕባ እንከላ፡ ቤልጂዩም ብወገና፡ ናብቲ ክሊ ማይ ከተዋፍራ ዝተበገሰት መርከብ፡ ሚሳይላታ ብምዕኻሱ ነቲ መደብ ከምዝሰረዘት ኣረጋጊጻ።

ኣብዚ ሳልስቲዚ ድማ፡ ጀርመን 270 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝሓዘት፡ ሄንሰንዝተሰምየት ተመሳሳሊ ፍሪጌት መርከብ ክትስሕባ ከምዝወሰነተ ጠቒሳ።

እታ ከም ኣካል ልፍንታዊ ሓይሊ ባሕሪ ኤውሮጳ፡ ካብ 23 ለካቲት አትሒዛ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊራ ዝጸንሐት መርከብ ዝተሳሕበትሉ ምኽንያት እኳ እንተዘይተነጸረ፡ ንዓኣ እትትክእ ካልእ መርከብ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክትልኣኽ ምዃና፤ ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶርዮስ ኣፍሊጡ።

ሓይሊ ባሕረን ኣብቲ ክሊ ማይ ኣዋፊረን ዝርከባ ኣመሪካን ብሪጣንያን ውን ብልፍንቲ ዘካይድኦ ዘለዋ መጥቃታት፡ ንሑቲ ክገትኦኦ ኣይከኣላን።

ሑቲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ፡ ናብ ልዕሊ 100 መራኽብ ሚሳይላትን ድሮናትን ከምዝወንጨፈ ሓቢሩ።

እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒታት ደው ከየበለ ድማ፡ መጥቃዕታቱ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ክቕጽል ምዃኑ የጠንቅቕ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0