ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም

RADIO ERENA – Thursday, 25 April 2024

ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ፣ ኢትዮጳውያን ተመለስቲ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፣ ብሰሉስ 23 ሚያዝያ፣ ብምጥሓላ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 21 ሰባት ከምዝሞቱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

33 ሰባት ብህይወት ከምዝደሓኑ ዝሓበረ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት፣ ናይ 23 ሰባት ሃለዋቶም ተሳኢኑ ይድለዉ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

እታ ጃልባ፣ ኢትዮጵያውያን ተመለስቲ ስደተኛታት ካብ የመን ጽዒና ኣብ ክሊ ማይ ጅቡቲ ምስ ኣተወቱ ሓደጋ ምጥሓል ኣጋጢሙዋ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያትውን ብተመሳሳሊ 38 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ከምዝጠሓሉ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ገሊጹዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ የመን ካብ ዝሰገሩ ኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ እቶም 79% ኢትዮጵያውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ዜጋታት ሶማል ይስርዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብምዃን፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታቱ ንምምላስ ፈተነታት ዘካይድ እኳ እንተኾነ፣ በብእዋኑ ናብ የመን ናይ ዝስደዱ ብዝሒ ኢትዮጵያን ግና ደው ክብል ኣይከኣለን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0