ሱዳን፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ካብ መዝነቶም ተኣልዮም

RADIO ERENA – Tuesday, 23 April 2024

ኣቦ መንበር ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንኣማሓዳሪ ናይቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ዞባ ከሰላ፡ መሓመድ ሙሳ ካብ መዝነቱ ከምዝኣለዮ ራድዮ ዳባንጋ ሓቢራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ፡ ካብ መዝነቱ ዝተሰጎጎሉ ምኽንያት፡ ምስ ናዚር ባይቶ ቤጃ፡ ሰይድ ታሪቕ፡ ኣብ ምስሕሓብ ስለዝአተወ ምዃኑዩ ተገሊጹ።

ባይቶ ናዚር ቤጃ፡ በቲ ኣማሓዳሪ ንዝወሃብ ዝኾነ መምርሒታት ክነጽግ ምስንሑ ዝሓበረት እታ ራድዮ፡ እዚ ድማ ጠንቂ ምስጉጉ ምዃኑ ኣረዲኣ።

ካብ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላታት፡ ቢን ዓምርን ሃደንድዋን ከምኡ ድማ ብሄረ ራሻይዳን ዝነብርሉ ዞባ ከሰላ፡ ኣብ ጎኒቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ንኣማሓዳሪ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝዋሰን ዞባ ገዳርፍ፡ መሓመድ ዓብደልራሕማንን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ዓሊ ኤልሳድቕውን ካብ መዝነቶም ኣልይዎም ኣሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0