ጓል ኣባል ባይቶ ኣመሪካ እስራ ሂርሲ ካብ ትምህርታ ተኣጊዳ

RADIO ERENA – Friday, 19 April 2024

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ኮሎምብያ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ዝተገብረ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ተካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ፣ ጓላ ንኣባል ባይቶ ኣመሪካ ኢልሃን ዑመር ካብ ትምህርታ ደው ክትብል እንከላ 108 ሰልፈኛታት ድማ ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ናይ’ቲ ዩኒቨርሲቲ፣ እቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ድሕሪ ብዙሕ መጠንቀቕታታት ዝስዓበ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ ውሑስ ሃዋህው ንምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሩ።

ጓል 21 ዓመት ጓላ ንኢልሃን ዑመር፣ እስራ ሂርሲ፣ ኣብቲ ንሰለስተ ዓመታት ተማሃሪት ኮይና ዝጸንሓትሉ ናይ ብሕቲ ናይ ደቂንስትዮ ዩኒቨርስቲ ባርናርድ ኮለጅ ብጉድለት ስነ ስርዓት ዝኾነ መጠንቀቕታ ተዋሂብዋ ዘይፈልጥ ክነሱ፣”ምስቶም ምጽናት ዓሌት ዘጋጥሞም ዘሎ ፍልስጤማውያን ብምትሕብባር ደው ብምባለይ” ተኣጊደ ክትብል ገሊጻ።

ኣዲኣ ኢልሃን ዑመር ኣብ 2016፣ኣብ ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ሶማላዊት-ኣመሪካዊት ኣባል ሓጋጊ ኣካል ኮይ።

ኣብ 2018 ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝኾነት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ስደተኛ ከምኡ’ውን ሓንቲ ካብተን ንሚነሶታ ዝወከላ ቀዳሞት ክልተ ደቂንስትዮ ካብ እምነት ምስልምና ብምዃን ናብ ባይቶ ተመሪጻ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0