መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ዝምልከት ጸግዒ ካብ ምሓዝ ይቑጠባ

RADIO ERENA – Friday, 19 April 2024

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢራንን ኣብ ልዕሊ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ርእይቶ ኣብ ምሃብ ይኹን ወገን ኣብ ምሓዝ ተቖጢበን ከም ዘለዋ ተገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብሓማስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ከም ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቻድን ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ከም ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነና ይዝከር።

ደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን እውን ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንእስራኤል ከም ተዓዛቢት ሃገር ንምቕባል ዝወሰዶ ናይ መጀመርታ ስጉምትታት ከም ብድሆ ኣቕሪበንኦ ነይረን።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብመሰረት ኣብ ኤክስ ዝጸሓፎ ሓበሬታ መሰረት ፣መጥቃዕቲ ኢራን ዘሻቕል ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ነቲ ድሮ ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዝበኣሰ ኩነታት ዝወስድ`ዩ ድሕሪ ምባል፣“ብኹለን ፈተውቲ ሰላም ሃገራት ክኹነን ይግባእ”ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ንኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኾይኑ፣ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ውን ዝጻረር እዩ ክብል ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ኢራን ነቲ ስጉምቲ ከም ርእሰ ምክልኻል ጠቒሳቶ`ላ።

ዓንቀጽ 51 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት፣ ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ መጥቃዕቲ እንተበጺሕዎ፣ ናይ ነብሰ ምክልኻል ወይ ሓባራዊ ርእሰ ምክልኻል ተበግሶታት ክውሰድ ባህርያዊ መሰል ክህልዎ ይኽእል እዩ ይብል።

ገለ ክኢላታት ሕጊ ነዚ ኣመልኪቶም፣ መሰል ርእሰ ምክልኻል ማለት ጎነጻዊ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራይ ከምዘይኮነ ይምጉቱ።

ፕረዚደንት ናይታ ንእስራኤል ብምጽናት ዓሌት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክትከሳ ዝጸንሐት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፣ ኩሎም ወገናት ነቲ ኩነታት ዘጋድድ ስጉምቲ ከይወስዱ ጸዊዑ።

ገለ ተዓዘብቲ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ በቲ ኣብ ዩክሬን ዝተፈጸመ ኲናት፣ እታ ኣህጉር ንዘተ ኣብ ዝገበረቶ ተበግሶታት ሸለል ከም ዝተባህለ ብምጥቃስ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ኢራንን ተኸሲቱ ኣብ ዘሎ ወጥሪ ርእይቶታተን ካብ ምሃብ ተቖጢበን ክኾና ከም ዝኽእላ ይትንትኑ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሰኔጋል፣ ኡጋንዳ፣ ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ኮሞሮስን ግብጽን፣ ንዩክሬንን ሩስያን “እማመ ሰላም ኣፍሪቃ” ኣቕሪበን እኳ እንተነበራ ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን።

እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ ሃገራት ኤውሮጳ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ብራስለስ ድሕሪ ዝገበርዎ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክጸንዕ ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ`ሉ እንከሎ፣ ሓይልታት ዓለም ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጎድኒ ክሕዛ ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።

ሕብረት ኤውሮጳ ፣ ንሩስያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምሻጥ ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ እገዳ ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ክሰፍሕ ተሰማሚዑ።

ኣመሪካ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት በይናዊ እገዳ ክትገብር ምዃና ኣጠንቂቓ።

እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ተኸቲላ ኣብ ልዕሊ ኢራን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ስጉምቲ ከም ዘይወሰደት ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0