ካፍ፣ ሞሮካዊት ክለብ ረናሳንስ በርካን ኣብ ልዕሊ ኣአንጋዲት ጋንታ ዩኤስኤምኤ ናይ ኣልጀርያ 3ብ0 ክትዕወት ወሲኑ

RADIO ERENA – Friday, 26 April 2024

ብሰንበት ኣብ መንጐ ሞሮካዊት ክለብ በርካንን ኣልጀርያዊት ክለብ ኡስማን ክሳለጥ ተመዲቡ ዝነበረ፤ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ፍርቒ ፍጻመ ንዋንጫ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፤ ክልቲኤን ጋንታታት ብማልያ ክቃደዋ ብዘይ ምኽኣለን ተቛሪጹ ኔሩ።

ነዚ ተኸቲሉ ሞሮካዊት ክለብ ረናሳንስ በርካን ኣብ ቀዳማይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ኮንፈደረሽን ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ኣአንጋዲት ጋንታ ዩኤስኤምኤ ናይ ኣልጀርያ 30 ክትዕወት ወሲኑ።

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሰንበት ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ካልኣይ እግሪ ከምቲ ዝተመደበሉ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ካፍ ብተወሳኺ፤USMA ተወሳኺ እገዳ ከምዝግበረላ ሓቢሩ።

ማልያ ክለብ በርካን ካርታ ሃገረ ሞሮኮ ዝሓዘለ ብምዃኑን፣ ኣብቲ ካርታ ድማ፡ ኣከራኻሪ መሬት ምዕራባዊ ሰሃራ ኣትዩ ብምህላዉ፣ እታ ጋንታ ግጥማታ ንምክያድ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝበጽሓትሉ፣ ማልያታታ ብሰራሕተኛታት ግምሩክ ዘይሕጋዊእዩ ተባሂሉ ዝተሃገረ ክኸውን ከሎ፣ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ድማ ካፍ፣ እቲ ማልያ ሕጋዊ ምዃኑን፣ ኣልጀርያ ከኣ፣ ነቲ ማልያታት ንክለብ በርካን ከተረክባ ንዝሃቦ ውሳነ፣ ብኣልጀርያ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣልጀርያ፣ ሃገሩ ንምዕራብ ሰሃራ ከም ኣካል ሞሮኮ ከም ዘይትርእያን፣ ሕቡራት ሃገራትውን እንተኾነ ከም ሕጋዊ ግዝኣት ሞሮኮ ከም ዘይቆጽራን ብምሕባር፣ እቲ ማልያ ምስ መርገጺ ሃገሩ ስለ ዝጻባእ፣ ክለብ በርካን ለቢሳቶ ክትጻወት ከም ዘየፍቅድ ኣስሚርሉ።

ኣልጀርያን ሞሮኮን ብሰንኪ ምዕራብ ሰሃራ ንሓያሎ ዓመታት ዝኸደ ዘይምቅዳው ዝጸንሐን ክኾና ከለዋ፣ ሞሮኮ ንምዕራብ ሰሃራ ከም ልኡላዊ ግዝኣታ ክትርእያ ከላ፣ ኣልጀርያ ድማ፣ ንናጽነት ምዕራብ ሰሃራ ንዝቃለስ ምንቅስቓስ ፖሊሳርዮ ትድግፍ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0