ኣስመራ፣ ደብዳብ ሚሳይላት ተኻይዱ

Radio Erena: 14 November 2020

ከም መቐጸልታ ናይቲ ትማሊ፣ ዓርቢ 13 ሕዳር፣ ኣብ ዶባት ናብ ዝርከባ ቁሸታት ዝጀመረ ደብዳብ፣ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ’ውን ኣብ ኣስመራ ሚሳይላት ዓሊቡ።

ዛጊት ክልተ ሚሳይላት ኣብ ከባቢ ሓይሊ ኣየር ከምዝዓለበ ክረጋግጸ እንከሎ፣ ተወሳኺ ደብዳብ ክስዕብ’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ህዝቢ ተረቢሹ ምህላዉ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ።

ድምጺ ክልተ ሚሳይላት’ውን ከምዝተሰምዐ ዝጠቐሱ ምንጭታት ኤርትራ፣ ዛጊት ዝዓለበሉ ቦታ ከነጽሩ ኣይክኣሉን።

ዛጊት ኣብ ህዝቢ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ክፍለጥ ኣይክኣለን።

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተቛሪጹ፣ ኣስመራ ኣብ ጸልማት’ያ ዘላ።

ይኹን’ምበር፣ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ካብን ናብን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም።

ዝቕጽል ዒላማታት፣ ዓዲ ሓሎን ሚኒስትሪ ዜና ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣታት ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት ኤረና፣ ዓዲ ሓሎ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ናብ ዘይተፈልጠ ግዝያዊ ቦታ ይግዕዝ ምህላዉ ኣተንቢሆም።

ብዓርቢ 13 ሕዳር፣ ብደቡባዊ ሸነኽ ዶባት ኤርትራ ዝጀመረ ደብዳብ፣ ብምዕራባዊ ሸነኽ፣ ከባቢታት ባድመን ኦምሓጀርን ይቕጽል ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0