ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሓደ ቆልዓ ዝርከቦም ሓሙሽተ ሰባት ጥሒሎም

RADIO ERENA – Wednesday, 24 April 202

ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ዞባ ካሌ፣ ናብ ትማ23 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ናይ ጎማ ጃልባ ተጻዒኖም ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት፣ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ፖሊስ ፈረንሳ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ካብቶም ግዳያት እዚ ሓደጋ ቆልዓ ክኽውን እንከሎ፣ ሓንቲ ድማ ጓለነስተይቲ ምዃና ጸብጻብ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እታ ጃልባ ኣስታት 110 ሰባት ጽዒና፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ጀርመን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ፣ ዊመሮው  ናይ ዞባ ካሌ፣ ብለይቲ ከምዝተበገሰት ዝሓበረ ፖሊስ፣ ኣብ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ወጋሕታ ከምዝጠሓለት ኣስሚርሉ።

ጠንቂ ምጥሓል እታ ናይ ጎማ ጃልባ፣ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰባት ብምጽዓና ብዝተፈፈጥረ ጽቕጥቅጥ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ።

ኣሃዱታት ህይወት ኣድሕንን ሓይሊ ባሕሪን ፈረንሳ፣ ልዕሊ 70 ሰባት ብህወይት ከውድሕኑ እንከለዉ ዝተረፉ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ይጠቕሱ።

ዜግነት ግዳያት ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣብ ካሌ፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ብሪጣን ንምስጋር ከምዝተኣኻኸቡ ይፍለጥ።

ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2024 ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፣ ካብ ዞባ ካሌ ናይ ፈረንሳ ዝተበገሱ ልዕሊ 4600ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ጸብጻብ ክፍሊ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር የመልክት።

ኣብዛ ናይ ፈለማ ሰሙን ናይዛ ሒዛና ዘለና ውርሒ ሚያዝያ ድማ 800 ስደተኛታት ብመንገዲ እዚ ክሊ ማይ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ዝሓበረት እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ብዝሒዚ ድማ ቅድሚ ካብ ዝነበረ ዓመት፣ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ካብ ዝተበዝገበ ኣሃዝ ብ23% ከምዝዛይድ ኣነጺሩ።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0