ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት መንገዲ ኣየር ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሩዋንዳ ንምግዓዝ ከይትተሓባበር ጸዊዑ

RADIO ERENA – Wednesday, 24 April 2024

ዝኾነት መንገዲ ኣየር ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሩዋንዳ ንምግዓዝ ክተሓባበሩ የብሎምን ክብሉ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ከምዚ ዓይነት ተግባራት ነተን ኩባንያታት ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝሕሎ ሰብኣዊ መሰላትን ትእዛዛት ቤት ፍርድን ኣብ ምጥሓስ ተሓባበርቲ ክገብረን ይኽእልዩ ክብሉ ገሊጾም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ዝሓንጸጾ መደብ ዳግማይ ክሓስበሉን ኣብ ክንድኡ ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክሰርሕ ጸዊዖም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ዝቐረበ ሓሳብ ኣህጉራዊን ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያን ዝጥሕስ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ እማመ ድሕነት ሩዋንዳ (ዑቕባን ኢሚግሬሽንን) ጎኒ ጎኒ ውዕል ምሕዝነት ዑቕባ ዓባይ ብሪጣንያን ሩዋንዳን ኣብ ቅድሚ ባይቶ ቀሪቡ ኔሩ።

እዚ ንውልቃዊ ሕቶታት ሓተትቲ ዑቕባ ንምውሳን ክሕግዝ ተባሂሉ ዝቐረበ እማመ ፣ ኣብያተ ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ንውሳነታት ብግቡእ ከይምርምራ ዝድርት ኮይኑ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ዋላ’ውን ርኡይ ሓደጋታት እንተጋጠሞም ይግባይ ክብሉ ዘየኽእልዩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ብተወሳኺ እዚ ካብቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበራ ናይ መዕቆቢ ምሃብ መስርሕ ዝያዳ ዝረሓቐ ኮይኑ፡ ንውዕል ስደተኛታት ዝጥሕስዩ ክብል ገሊጹ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0