ኢጣልያ፡ ከም ኣካል ፖሊሲ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት፡ ምስ ኤርትራ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕላት ንምክታም መዲባ ከምዘላ ገሊጻ

RADIO ERENA – Tuesday, 23 April 2024

 

ኢጣልያ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ምስ ዘላ ኤርትራ ምትሕግጋዝ ትገብር ቀዳመይቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክትከውን ከምእትደሊ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ኤድሞንዶ ቺረሊ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስያ ኖቫ፡ ነቲ ሚኒስተር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ኢጣልያ ምስ ኤርትራ ንክልተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ንምውዕዓል ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላዉ ኣንፊቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጎኒ ጎኒቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃን ኢጣልያን፡ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጆርጅያ ሜሎኒን ካልኦት ላለዎት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምዝተመያየጠ ኣይርሳዕን።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ንዘለዎ ሰልፊ ወኪላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይና ዘላ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣትሉ እዋን፡ ብመንገዲ ማከላይ ባሕሪ ናብ ታ ሃገር ንዝውሕዙ ሓተቲ ዑቕባ ምግታእ ምዃኑያ ተመባጺዓ።

ከም መብጽዓኣ ምስ ቱኒዝያን ሊብያን፡ ኣብ ጸዓትን ካልእን ዘተኮረን ንግዳውን ቁጠባውን ከምኡ ድማ ኢሰብአዊ ምዃኑ ዝተነቕፈ ምግታእ በዘን ሃገራት ንዝመጽኡ ስደተኛታትን ዝርከቦ ስምምዓት ከቲማ ትርከብ።

ብሜሎኒ እትምራሕ ኢጣልያ ኣብ ርእሲዚ፡ ምስተን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብብዝሒ ዘፍርያ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብጉልባብ ምትሕግጋዝ ተመሳሳሊ ውዕላት ንምትግባር መደብ ኣለዋ።

ኣብዚ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ተሰምዩ ዘሎ ናይ ኢጣልያ መደብ፡ ብቀዳምነት ካብ ዝተሓርያ ሃገራት ድማ፡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብምፍራይ ምስ ቀዳሞት ሃገራት እትስራዕ ኤርትራ ኮይና ኣላ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0