ኣብ ማእሰርቲ ትርከብ ኣስቴር ዮውሃንስ፣ መበል 65 ዕድሜኣ ብስድራቤታን ፈተውታን ተጸንቢሉ

RADIO ERENA – Monday, 22 April 2024

ብዘይ ክሲ፣ ፍርዳዊ መስርሕ፣ ናይ ጠበቓ መሰል፣ ይግባይ ናይ ምባል መሰል፣ ስድራቤት ናይ ምርኣይ መሰልን ካልእ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ካልኣይ መደበር ኣስመራ ተኣሲራ ዘላ ኣስቴር ዮሃንስ መበል 65 ዕድሜኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸንቢላ::

ኣብ 18 ሚያዝያ 1959 ዝተወልደት ኣስቴር ዮሃንስ ኣብ 1979 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምጽንባር ኣብ ምሕራር ኤርትራ ብኣካል ሜዳ ወሪዳ ዝተጋደለት ተቓላሲት እያ::

ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ዓሳ ተመዲባ ኣገልጊላ እያ::

ብ11 ሕዳር 2003 ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ተታሒዛ ንዝሓለፈ 21 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እትርከብ ኣስቴር፣ ‘እዚ እዩ በደላ’ ተባሂሉ ንኤርትራ ብዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ኣይተነግረን ዝኾነ ክሲ’ውን ኣይተመስረተላን::

ኣስቴር ዮውሃንስ ብዓልቲ ቤት ኣባል ጉጅለ 15 ዝኾነ ተጋዳላይን ኣብ ዝተፈላለየ ሚኒስትሪታት ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ጴጥሮስ ሰለሙን ኮይና፣ ጴጥሮስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ንሰለስተ ደቆም ንምእላይን ደሃይ ንምግባርን ናብ ኣስመራ ምስተመልሰት እያ ተኣሲራ::

ኣስቴር ዮሃንስ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዳ ኣብቲ ብ’ወንጀል ምርመራ’ ዝፍለጥ ኣብ ከባቢ ኣባሻውል ኣስመራ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ምስተወስደት እያ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝኾነ መሰል ኣብኡ ተቐይዳ ዘላ::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0