Welcome to Radio Erena!
ንምትሓዙ 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ መራሒ ኣልሸባብ ኢዱ ሂቡ
Radio Erena: 29 December 2014
ብዝልዓለ ካብ ዝህደኑ መራሕቲ ኣልሸባብ ሓደ ዝኾነ ዛካርያ እስማዒል ኣሕመድ ሕርሲ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ኢዱ ሂቡ።
እቲ ንዘትሕእዞ ወይ ድማ ዘለዎ ቦታ ንዝሓበረ ሰብ ብምምሕዳር ዋሽንግተን 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ከምዝሰለመ ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ እኳ እንተረጋገጽዎ፣ ኢዱ ክህብ ዝተገደደሉ ምኽንያት ግና ኣይሓበሩን።
ኣሕመድ ሕርሲ፣ ኣብቲ ኣልሸባብ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ ጌዶ ንፖሊስ ኢዱ ምሃቡ፣ ምስ ደገፍቲ'ቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተቐትለ መራሒ ኣልሸባብ ዓብዲ ጎዳነ ክሳነ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ'ውን ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይጠቕሱ።
ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ
Radio Erena: 29 December 2014
ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ካብ ዓርቢ 26 ታሕሳስ ክሳብ ትማሊ ሰንበት 28 ታሕሳስ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳልኝ ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ጸዓትን መጓዓዝያን ክገብርኦ ዝኽእላ ምትሕብባር ዘትዮም።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ኡጋንዳ ካብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክትሽምትን፣ ንኣዲስ ኣበባን ካምፓላን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ክህነጽ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎን ከምዝተዘራረቡ'ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።
መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ይገፍፍ
Radio Erena: 27 December 2014
ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ገዛ ገዛ እንዳኣተው ክገፉ ከምዝጀመሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ይወስድዎም ኣለዉ።
ሬድዮ ኤረና ንገለ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ዜጋታትና ረኺባ ኣብ ዝኣከበቶ ሓበሬታ፣ እዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ግፋ፣ ምስቲ ኣብ መዓስከር ዝደተኛታት ሸገራብ ዘጋጠመ ኩነታት ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝነበረ ውጡር ኩነታት ክሃድእ ጀሚሩ
Radio Erena : 26 December 2014
ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝሓደረ ውጡር ኩነታት ካብ ሎሚ ወጋሕታ ብተመዛማዲ ክሃድእ ምጅማሩ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ኣብ በረኻታት ዝነበሩ ስደተኛታት'ውን ይምለሱ ምህላዎምን፣ መብዛሕቶም እቶም ብፖሊስ ተወሲዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን'ውን ከኣ ከምዝተፋነዉን ተፈሊጡ ኣሎ።
እንተኾነ ሕጂ'ውን ሓያሎ ካብቶም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ኣብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝተታሕዙ ምህላዉ ይግለጽ።
ሬድዮ ኤረና ነቲ ኩነታት እናተኸታተለት፣ እዋናዊ ሓበሬታ ከተቕርበልኩም'ዩ።
ድሕሪ'ቲ 21 ኤርትራውያን ዝጠሓልሉ ናይ ሸገረብ ኩነታት፣ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ከቢድ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ
Radio Erena: 26 December 2014
ድሕሪ'ቲ ኣብ ከባቢ ጊርባ መዓስከር ሸገረብ ዘጋጠመ ምጥሓል 21 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ መዓስከር ሸገረብ ብኤርትራውያን ዝተራእየ ናይ ርድኡና ዕግርግር፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ'ቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ይፍጽሙ ምህላዎም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
እቶም ኤርትራውያን፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ብህጹጽ ደው ንምባሉ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ፣ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታቶም ከካይዱ ጸዊዖም።