• Home
  • News_ዜና
      • Back
      • ሃገራዊ ዜና
      • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
      • Back
      • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና
  • Home
  • News_ዜና
    • ሃገራዊ ዜና
    • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
    • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና

Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai
Friday, February 22, 2019
  • Home

Welcome to Radio Erena!

ንምትሓዙ 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ መራሒ ኣልሸባብ ኢዱ ሂቡ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 29 December 2014

Alshe Hirsi

ብዝልዓለ ካብ ዝህደኑ መራሕቲ ኣልሸባብ ሓደ ዝኾነ ዛካርያ እስማዒል ኣሕመድ ሕርሲ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ኢዱ ሂቡ።

እቲ ንዘትሕእዞ ወይ ድማ ዘለዎ ቦታ ንዝሓበረ ሰብ ብምምሕዳር ዋሽንግተን 3 ሚልዮን ዶላር ዝተሰልዓሉ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ከምዝሰለመ ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ እኳ እንተረጋገጽዎ፣ ኢዱ ክህብ ዝተገደደሉ ምኽንያት ግና ኣይሓበሩን።

ኣሕመድ ሕርሲ፣ ኣብቲ ኣልሸባብ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ ጌዶ ንፖሊስ ኢዱ ምሃቡ፣ ምስ ደገፍቲ'ቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ዝተቐትለ መራሒ ኣልሸባብ ዓብዲ ጎዳነ ክሳነ ብዘይምኽኣሉ ምዃኑ'ውን ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

Read more ...

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 29 December 2014

Haile Muse

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ካብ ዓርቢ 26 ታሕሳስ ክሳብ ትማሊ ሰንበት 28 ታሕሳስ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳልኝ ብምርኻብ፣ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ንግዲ፣ ጸዓትን መጓዓዝያን ክገብርኦ ዝኽእላ ምትሕብባር ዘትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ኡጋንዳ ካብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክትሽምትን፣ ንኣዲስ ኣበባን ካምፓላን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ክህነጽ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎን ከምዝተዘራረቡ'ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ።

Read more ...

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን ይገፍፍ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 27 December 2014

EriSud

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኤርትራውያን ገዛ ገዛ እንዳኣተው ክገፉ ከምዝጀመሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ንዝኾነ ኤርትራዊ ብዘይ ኣፈላላይ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተዉ ይወስድዎም ኣለዉ።

ሬድዮ ኤረና ንገለ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ዜጋታትና ረኺባ ኣብ ዝኣከበቶ ሓበሬታ፣ እዚ ብመንግስቲ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ግፋ፣ ምስቲ ኣብ መዓስከር ዝደተኛታት ሸገራብ ዘጋጠመ ኩነታት ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

Read more ...

ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝነበረ ውጡር ኩነታት ክሃድእ ጀሚሩ

  • Print
  • Email

Radio Erena : 26 December 2014

shegr

ኣብ መዓስከር ሸገረብ ዝሓደረ ውጡር ኩነታት ካብ ሎሚ ወጋሕታ ብተመዛማዲ ክሃድእ ምጅማሩ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ኣብ በረኻታት ዝነበሩ ስደተኛታት'ውን ይምለሱ ምህላዎምን፣ መብዛሕቶም እቶም ብፖሊስ ተወሲዶም ዝነበሩ ኤርትራውያን'ውን ከኣ ከምዝተፋነዉን ተፈሊጡ ኣሎ።

እንተኾነ ሕጂ'ውን ሓያሎ ካብቶም ዝተወስዱ ኤርትራውያን ኣብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝተታሕዙ ምህላዉ ይግለጽ።

ሬድዮ ኤረና ነቲ ኩነታት እናተኸታተለት፣ እዋናዊ ሓበሬታ ከተቕርበልኩም'ዩ።

Read more ...

ድሕሪ'ቲ 21 ኤርትራውያን ዝጠሓልሉ ናይ ሸገረብ ኩነታት፣ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ከቢድ ወጥሪ ይቕጽል ኣሎ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 26 December 2014

Shag

ድሕሪ'ቲ ኣብ ከባቢ ጊርባ መዓስከር ሸገረብ ዘጋጠመ ምጥሓል 21 ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ መዓስከር ሸገረብ ብኤርትራውያን ዝተራእየ ናይ ርድኡና ዕግርግር፣ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ'ቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዙሕ ግፍዕታት ይፍጽሙ ምህላዎም ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ስደተኛታት ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እቶም ኤርትራውያን፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ብህጹጽ ደው ንምባሉ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ፣ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጻዕርታቶም ከካይዱ ጸዊዖም።

Read more ...

  1. ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህር ዳር፣ ብሪጣንያዊ በጻሒ ሃገር ተቐቲሉ
  2. ኣብ ወሓዚ ኣጥባራ 21 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥሒሎም
  3. ብመንገዲ ቅሮራ ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሕዋት ዝርከብዎም 13 ኤርትራውያን ሞይቶም ምርካቦም፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻእን መዘራረቢ ኮይኑ
  4. ዑቕባ ንምሕታት ምስ ሄሊኮፕተሮም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለቡ ተረጋጊጹ

Page 657 of 848

  • Start
  • Prev
  • 652
  • 653
  • 654
  • 655
  • 656
  • 657
  • 658
  • 659
  • 660
  • 661
  • Next
  • End

Inside Erena

  • ሰብኣዊ መሰላት
  • ፍጻሜታት
  • መዛግብ
  • ደብዳበታት
  • ጽሑፋት

Most read content

  • ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና
  • መ.ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ
  • ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተረጋጊጹ፣ 155 ኤርትራውያን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ
  • ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

ናጻ መድርኽ

  • ፖለቲካዊያን ውድባት
  • በርጌሳዊያን ማሕበራት
  • ናጻ መድርኽ

Links

  • adoulis
  • allsaho
  • alnahda
  • arkokabay
  • asmarino
  • asena
Back to top