Welcome to Radio Erena!
ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሓቶ
Radio Erena: 28 October, 2014
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዘንበረቶ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ወሲና።
እቲ ምምሕዳር ቢል ክሊንተን ኣብ 1997 ከምኡ ድማ ምምሕዳር ጆርጅ ቡሽ ኣብ 2007 እናተቐባበሉ ዘንጽሕዎ እገዳታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን፣ ምምሕዳር ኦባማ ስልጣኑ ክሳብ ዘብቕዕ ከናውሖ ምውሳኑ፣ ንመንግስቲ ሱዳን ከምዘቖጥዖ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዋይት ሃውስ፣ ብዓርቢ 24 ጥቕምቲ ንእገዳ ሱዳን ዝምለከት ሓፈሻዊ ገምጋም ድሕሪ ምክያድ'ዩ፣ ሱዳን ሕጂ'ውን ንጸጥታ ኣመሪካን ረብሓታትን ኣስጋኢት'ያ ብዝብል እቲ እገዳ ክናዋሕ ዝወሰነ።
የመን፣ ኣብ መንጎ ተቓወምትን መንግስትን ምምቕራሕ ካቢነ ሚኒስተራት ተኻይዱ
Radio Erena: 28 October, 2014
ሓድሽ ኣብ ዝቖመ መንግስቲ ሱዳን፣ ንከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም ካብ ዘለዉ ተቓወምቲ ሁቲ ሽዱሽተ ሚኒስተራት ተመዚዞም።
እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ካልድ ባሃህ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ የመን፣ ካብ ተቓወምትን ኣባላተ መንግስቲ ነበረን ብምትሕንፋጽ ሓድሽ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ዘቖመሉ እዋን፣ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ጽፍሕታት መንግስቲ ዝኾነ ሚኒስትሪ ነዳዲ እታ ሃገር ካብ ተቓወምቲ ሁቲ ንዝተወከለ ሚኒስተር ከምዝተዋህቦ'ውን ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ምቕይያር ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን፣ መንግስቲ ውሽጣዊ ርግኣት ስኢኑ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ተሓቢሩ
Radio Erena: 27 October, 2014
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀጻሊ ምቕይያር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ዝካይደሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ መንግስቲ ውሽጣዊ ርግኣት ስኢኑ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ እቶም ነዚ ሓበሬታ'ዚ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹ ምንጭታት ኣፍሊጦም።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ፎርቶ ሚኒስትሪ ዜና ዝተኻየደ ስርሒት፣ ቀጻሊ ምእሳርን ምቕይያርን ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ይርአ ምህላዉ'ውን ኣገንዚቦም።
ተቖጻጻሪ ጉጅለ መጽናዕቱ ኣብ ኤርትራ ንምክያድ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባር ክገብር ጸዊዑ
Radio Erena: 27 October, 2014
መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሓሙሽተ ዓመታት ንኣልሸባብ ዝኾነ ወትሃደራዊ ሓገዝ ከምዘገበረ መርትዖ ከምዘይረኸበ ዘረጋጋጸ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ መጽናዕቱ ከካይድ ምትሕብባር ክግበረሉ ጸዊዑ።
እቲ ንኤርትራን ሶማልን ክቆጻጸር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ጉጅለ ነዚ ዝገለጸ፣ ዘካይዶ ዘሎ ሓበሬታ ናይ ምእካብን መጽናዕትን ዕማም ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ብዓርቢ 24 ጥቕምቲ ኣብ ዝተወሰነሉ ኣጋጣሚ'ዩ።
ክኢላታት እቲ ጉጅለ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፓሪስን ካይሮን ርክብ ከምዘካየዱ ዘዘኻኸረ እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፣ እዚ ኣኻሊ ብዘይምዃኑ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከካይድ መንግስቲ ኤርትራ ምትሕብባሩ ከርኢ ጸዊዑ።
ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተዋ ሓሙሽተ ሄሊኮተራት ሱዳንን 26 ኣብረርተንን ተለቒቖም
Radio Erena: 27 October, 2014
ኢትዮጵያ፣ ብዘይፍቓድ ክሊ ኣየራ ጥሒሰን ንዝኣተዋ ሓሙሽተ ሄሊኮፕተራት ሱዳን 26 ኣብረርትን፣ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝለቐቐቶም ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ገሊጻ።
እተን ስርሓት ሩስያ ዝኾና ሓሙሽተ ሄሊኮፕተራት፣ ኣብ ሱዳን ብዝመደበሩ ናይ ብሕቲ ኩባንያ ዝውነና ኮይነን፣ ኣብረተን ከኣ ዜጋታት ምብራቕ ኤውሮጳ ምዃኖም'ዩ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እተን ካብ ሱዳን ዝተበገሳ ሄሊክፕተራት ብክራይ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምሃብ ናብ ታንዛንያንያ ኣብ ዘምርሓሉ ዝነበራ እዋን፣ ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታወን ብኣሃዱ ጸረ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ተገዲደን ኣብ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓለባ።