Category: News

1 909 910 911 912 913 914 9110 / 9135

ኡጋንዳን ኬንያን፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ገያሾ ብጽኑዕ ይከታተላ

ክፍልታት ኢምግሬሽን ኡጋንዳን ኬንያን፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ገያሾ ብጽኑዕ ይፍቱሽን ይከታተሉን ምህላዎም ምንጭታትና ሓቢሮም። ክፍልታት ኢምግሬሽን እዘን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ንዝሓዙ ገያሾ ብጽኑዕ ዝከታተ [...]

‘ከም ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ሃገራት እገዳ ክግበረለን ኣለዎ’ ባራክ ኦባማ

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፣ ከም ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዝኣመሰላ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመለን ሃገራት እገዳ ክግበረለን ኣተሓሳሲቡ።ባራክ ኦባማ ንኤርትራን ሰሜን ኮርያን ብምጥቃስ እገዳ ክውሰነለን ዝተማሕጸነ፣ ኣብቲ ዘይሕጋዊ መሸ [...]

ኣብ ኤርትራ ዕለቱ ዝወደቐ ዘይቲ ይሽየጥ ኣሎ

ኣብ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መሰረታውያን መግብታት ኣመና ጎሊሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዕለቱ ዝወደቐን ብቕዓቱ ዘየተኣማምንን ዘይቲ ብብዝሒ ኣብ ዱኳናት ይሽየጥ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቲ ዝኾነ ምልክት ኣብ ዘይብሉ [...]

ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባታት ኤርትራ፣ ስሩዕ ትምህርቲ ኣይጀመራን

መማህራን ናይ ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባታት ኤርትራ፣ ነናብ ዝተመደብሉም ኣብያተ ትምህርቲ ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፣ ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ መማህራን ነናብቲ ዝተመደበሎም ኣብያተ ትምህርቲ [...]

250 ዕጡቓት ኣልሸባብ ሰሊሞም

ኣስታት 250 ዝግመቱ ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ናብ ሰራዊት ሕበርት ኣፍሪቃ ማለት ኣሚሶም ከምዝሰለሙ ተገሊጹ። እቶም፣ 80 ኪሎሜተር ካብ ሞቛድሾ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጆውሃር ናብ ኣሚሶም ዝሰለሙ ኣስታት 250 ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብ [...]

መ.ኤርትራ ኣብ ካናዳ ዝእክቦ ግብሪ ደው ከምዘይብሎ ገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ ደው ከምዘይብሎ ምግላጹ፣ ናሽናል ፖስት ሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣቢሉ ክእክቦ ዝጸንሐ ናይ ክልተ ሚእታዊ ግብሪ፣ ደው ከብሎ [...]

ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ዳግም ተኸፊታ

ናይ ስራሕ ውዕላ ከይተሐድስ ብመንግስቲ ተኸልኪላ ዝጸንሐት ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ዳግም ተኸፊታ። ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ኣስመራ፣ ክትክክፈትን ኣባላታ ናብ ስርሖም ክምለሱን ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ መንግስታት [...]

መ.ኤርትራ ኣብ የመን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም መዲቡ

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ የመን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ምስ መንግስቲ የመን ይዘራረብ ከምዘሎ፣ መንግስታዊ ማዕከን ዜና የመን ሓቢሩ።ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና የመን ሳባ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብቀዳም ኣምባሳደር ኤ [...]

ሕብረት ኤውሮጳ ብኩነታት ኤርትራ ሻቕሎቱ ገሊጹ

27 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰቦ ካብ ብራስለስ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ብሰሉስ ትማሊ ሰሉስ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምጥሓስ ዘ [...]

መ.ኤርትራ ብዝዕድሎ ዘሎ ብረት ኤርትራውያን ሕቶ የቕርቡ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ክሳብ 70 ዓመት ንዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን 40 ዓመት ንዝዕድሚኤን ደቂንስትዮን ጠበናጁ ናይ ምዕጣቕ መስርሕ ብዝልዓለ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ምኽንያት እዚ ንኩሉ ኣርሚሙ ዘሎ ስጉ [...]
1 909 910 911 912 913 914 9110 / 9135