ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባታት ኤርትራ፣ ስሩዕ ትምህርቲ ኣይጀመራን

መማህራን ናይ ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባታት ኤርትራ፣ ነናብ ዝተመደብሉም ኣብያተ ትምህርቲ ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፣ ስሩዕ ትምህርቲ ክጅምር ከምዘይክኣለ ተሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ መማህራን ነናብቲ ዝተመደበሎም ኣብያተ ትምህርቲ ብዝቐልጠፈ ክልምለሱ፣ ኣብ ሓያሎ ጨናፍር ናይቲ ሚኒስትሪ ምልክታታት እኳ እንተለጠፈ፣ ዛጊት ስርሖም ንምጅማር ናብ ቦትኦም ዝተረኽቡ መማህራን ግና ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።
ትምህርቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ክጅምር ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ብምኽንያት ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ነናብ ዓድታቶም ከይዶም ዘለዉ መማህራን ግና ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ዞባታት ክጅምራ ከምዘይክኣላ’ዩ ዝሕበር።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ’ውን በቲ ዝተመደበሎም ግዜ ነናብ ቦትኦም ንዘይተረኽቡ መማህራን ክቐጽዕ ምዃኑ የጠንቕቕ ኣሎ።
ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተዳኸመን፣ መማህራን ድማ ብስግረዶብ ናብ ስደት ፋሕ እናበሉ፣ ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብዓቕት ዘለዎም ሞያውያን መማህራን ኣዝዩ ከምዘንቆልቆለ ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0