መ.ኤርትራ ኣብ ካናዳ ዝእክቦ ግብሪ ደው ከምዘይብሎ ገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ዝእክቦ ግብሪ ደው ከምዘይብሎ ምግላጹ፣ ናሽናል ፖስት ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ካናዳ ካብ ዝርከቡ ዜጋታቱ ብመንገዲ ኤምባሲ ኣቢሉ ክእክቦ ዝጸንሐ ናይ ክልተ ሚእታዊ ግብሪ፣ ደው ከብሎ መንግስቲ ካናዳ ድሕሪ ዘቕረቦ ውሳኔ’ዩ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዝገለጸ።
ኣብ ቶሮንቶ-ካናዳ ዝርከብ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ሰመረ ዑቕባ ሚካኤል  ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ ካብ ህዝብና ግብሪ ክንእክብ መሰልና’ዩ ብምባል፣ ነቲ ናይ ክልተ ሚእታዊት ግብሪ ናይ ምእካብ መስርሕ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
መንግስቲ ካናዳ፣ እቲ ኣብ ካናዳ ናይ ዝርከቡ ዜጋታት ብቀጥታውን ብተዘዋዋርን ብዝፍጸም ዘሎ ኣገዲድካ ግብሪ ናይ ምእካብ መስርሕ ዘይሕጋዊ’ዩ ብምባል ክቛርጽ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ ነቲ መስርሕ እንዘይቛሪጽዎ ነቲ ኤምባሲ ክዓጽዎ ምዃኑ ኣጠንቒቑ’ዩ።
ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናይ መንግስቲ ካናዳ መጠንቐቕታ ዕሽሽ ብምባል’ዩ ኣብ ካልእ ሉኣላዊት ሃገር ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ግብሪ ምእካብ ክቕጽሎ ምዃኑ ዝሓበረ።
ናሽናል ፖስት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንኣፈኛ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ኣብ ዘቕረበትሉ ሕቶ፣ ‘ካናዳ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንመንግስቲ ኤርትራ ኣነጺራ’ያ ዝብል ምላሽ ሂቡሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0