250 ዕጡቓት ኣልሸባብ ሰሊሞም

ኣስታት 250 ዝግመቱ ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ናብ ሰራዊት ሕበርት ኣፍሪቃ ማለት ኣሚሶም ከምዝሰለሙ ተገሊጹ።

እቶም፣ 80 ኪሎሜተር ካብ ሞቛድሾ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጆውሃር ናብ ኣሚሶም ዝሰለሙ ኣስታት 250 ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ሸሞንተ ካብ ኣባላቶም ድሕሪ ምቕታሎም’ዮም ኢዶም ንምሃብ ዝተጓየዩ።
ኣሚሶም ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ካብ ቀዳም ናይ ምሸት ኣትሒዞም ኢዶም ክህቡ ዝጀመሩ  ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ገና ይቕጽል ብምላዉ እቲ ቁጽሪ ክዛይድ ከምዝኽእል ገሚቱ ኣሎ።
ዛጊት ኢዶም ሂቦም ካብ ዘለዉ ኣባላት ኣልሸባብ ክልተ ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ከምዝርከብዎምን እቲ መግለጺ የረድእ።
ብርከት ዝበለ ጠበናጁ ከምእተረኽበ’ውን ተሓቢሩ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0