መ.ኤርትራ ኣብ የመን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም መዲቡ

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ የመን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ምስ መንግስቲ የመን ይዘራረብ ከምዘሎ፣ መንግስታዊ ማዕከን ዜና የመን ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና የመን ሳባ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብቀዳም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ሙሳ ያሲን፣ ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ዓብዱል ቓድር ቓታን ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ ተፈሊጡ።
ኣምባሳደር ኤርትራን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመንን ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ ማያዊ ክሊ ክልቲኤን ሃገራትን፣ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን ዘትዮም።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ንጉዳይ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዝምልከት’ውን ከምዝተዘራረቡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ኤርትራ ብተደጋጋሚ እዋን የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምእትሕዝ፣ ንብረቶም ኩሉ ዘሚታ ጥራይ ኢዶም ከምእትሰዶም፣ መንግስቲ የመን ኣብ ዘውጽኦ ቀጻሊ መግለጺታት የመልክት።
ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት፣ እቲ የመናዊ ሚኒስተር፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንመንግስቲ የመን ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ኣውዲቑዎ ከምዘሎ ብምምልካት፣ እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኣገባባት የጣጥሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ብወገኑ፣ ምስ መንግስቲ የመን ክተሓባበር ቅሩብ ከምዘሎ ገሊጹ።
ህዝባዊ ናዕቢ የመን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋንን ብድሕሪኡን፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣደዳ ግፍዒ ከምዝኾኑ፣ ንህይወቶም ብምስጋእ ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ዝሓድሩሉ ዝነበረ እዋን’ውን እንተኾነ፣ ሓገዝ ዘየበከተ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ብዘይድሌቶም ንሃገሮም ናብ ምምላስ ኣብ ዘተ ምቕራቡ፣ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ይግለጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0