ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ዳግም ተኸፊታ

ናይ ስራሕ ውዕላ ከይተሐድስ ብመንግስቲ ተኸልኪላ ዝጸንሐት ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ዳግም ተኸፊታ።
ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ኣስመራ፣ ክትክክፈትን ኣባላታ ናብ ስርሖም ክምለሱን ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢጣልያን ብዝተበጽሐ ሓድሽ ስምምዕ ምዃኑ ኣጃንስያ ጆርናሊስቲካ ኢታልያ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ጁልዮ ተርዚ፣ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እዛ ብውጺት ናይዚ ሓድሽ ስምምዕ ዳግም ዝተኸፍተት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ናይ ኣስመራ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ከምዘለዋ ምግላጹ’ውን እቲ ናይ ኢጣልያ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ብመሰረት ጆርናሊስቲካ ኢታልያ፣ እቲ ሓድሽ ስምምዕ ብኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ሚስተር ማርሴሎ ፎንዲን ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶምን’ዩ ተኸቲሙ።
እታ ኣብ ኤርትራ እንኮ ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ጠንቁ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት’ያ ኣብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝጅምር ዓመተ ትምህርቲ ስርሓ ከይትቕጽል ተኸልኪላ ዝጸንሐት።
እታ ካብ ኢጣልያ መማህራን እናምጽአት ስሩዕ ኣካዳምያውን ሞያውን ትምህርቲ ክትህብ ዝጸንሐት ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ መማህራና ናብ ኤርትራ ዘእትዎም ቪዛ ከይወሃቡ’ውን ተኸልኪሎም ምጽንሖም’ዩ ዝሕበር።
ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣቐዲሙ፣ ናይ ብሕቲ ትካላት ትምህርቲ ቁጽጽር ክግበረለን ዝብል ካብ መማህራንን ወሃብቲ ርእይቶን ንዝቀረበሉ ሓሳባት ኣምሲሉ፣ ደጋጊሙ ክወቕሰን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።
ኣብ ኣስማራ ከም ሓጎስ ኢንተርናሽናል ስኩል ዝኣመሰላ ብወጻእተኛታት ዝመሓደራን ደቂ ሰበ ስልጣንን ሃብታማን ዝመሃሩለን ናይብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ እኳ እንተለዋ፣ ዕላማ ምኽልካል ፍቃድ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ ርዱእ ከምዘይኮነ’ዮም ዝተወከስናዮም  ወገናት ዝጠቕሱ።
ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቖልቖለ ባይታ ዘቢጡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ሰበ ስልጣንን መንግስትን ሃብታማትን ደቖም ኣብ ከም በዓል ፊንላንድ ሚስዮን፣ ቤት ትምህርቲ ዓወት፣ ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ሓጎስ ኢንተርናሽናል ስኩልን ዝኣመሰላ ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ’ዮም ዘምህርዎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0