ሕብረት ኤውሮጳ ብኩነታት ኤርትራ ሻቕሎቱ ገሊጹ

27 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳሰቦ ካብ ብራስለስ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ብሰሉስ ትማሊ ሰሉስ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምጥሓስ ዘቤታውን ኣህጉራዊ ሕግታትን መሰላት ደቂ ኣዳምን ብዝበኣሰ ይቕጽሎ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ካትሪን ኣሽተን ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፣ ኣብ 2001 ብኣልማማ ዝተኣስሩ ጽገናዊ ለውጢ ዝሓተቱ ሰበ ስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራውን ዞባውን ውድባት እኳ እንተሓተቱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ጸማም እዝኒ ከምዝሃቦም ከምዝጠቐሰን ኣገልግሎት ዜና ኩዌት ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እቲ ናይ ኣገልግሎት ዜና ኩዌት ጸብጻብ ብተወሳኺ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ኩነታት ጥዕና እቶም ን11 ዓመታት ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ኤርትራውያን እሱራት ከምዘተሓሳሰቦ ኣረዲኡ።
ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታቱ ብዘዝኾነ ምኽንያት ብኣልማማ ኣብ ቀይዲ ዘእቱን፣ ብሕሱም ኣተሓሕዛ እሱራትን ካልእ ርህራሂውን ሰብኣውነት ዝጎደሎን ኣተሓሕዛ ካብ ዝልለዩ ሒደት መንግስታት ዓለም ኣብ ቅድሚ’ዩ ዝስራዕ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0