ኣብ ኤርትራ ዕለቱ ዝወደቐ ዘይቲ ይሽየጥ ኣሎ

ኣብ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መሰረታውያን መግብታት ኣመና ጎሊሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዕለቱ ዝወደቐን ብቕዓቱ ዘየተኣማምንን ዘይቲ ብብዝሒ ኣብ ዱኳናት ይሽየጥ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ዝኾነ ምልክት ኣብ ዘይብሉ ጎማታት ተዓሽጉ በብሓደ ሊትሮ ዝሽየጥ ዘሎ ዘይቲ፣ ብምብራቕ ሱዳን ብተሰነይ ኣቢሉ ከምዝኣተወ ይጥርጠር።
እዚ ካብቲ ኣብ ዕዳጋ ዝጸንሐ ብመጠኑ ብዝሓሰረ ዝሽየጥ ዘሎ ዘይቲ፣ ኣብ ምብራቓዊ ኤርትራ ዝተዋፈሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብኮንትሮባንድ ካብ ሱዳን ዘእተውዎ ዘይቲ’ዩ እናበለ ህዝቢ የውሪ ምህላዉ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።
ከም ሽኮር፣ ዘይትን ጸባን ዝኣመሰለ መሰረታውያን መንግብታት  ከም ድላይካ ኣብ ዕዳጋታት ክርከብ ኣብ ዘክእለሉ ደረጃ ካብ ዝበጽሕ ኣስታት ሽዱሽተ ዓመቱ ከምዘቑጸረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ዕዳጋ ንምርግጋእ ብዝብል ዘተኣታተዎ ናይ ድኳን ሕድሪ ወርሓዊ መቝነን’ውን ነቲ ጸገም ከጋድድ እንተዘይኮይኑ ፍታሕ ከምጽእ ኣይተራእየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0