Category: ዜና ኤርትራ

ልዕሊ 350 ኣባላት ናይቲ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ዓስኪሩ
Radio Erena: 17 May 2020
ልዕሊ 350 ኣባላት ናይቲ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ዓስኪሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ሊብያ ኦብዘርቨር ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ሕቡራት ኢማ [...]

ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት፣ 700 ሽሕ ክታበት ናብ ኤርትራ ልኢኹ
Radio Erena: 14 May 2020
ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፣ ልዕሊ 700 ሽሕ ክታበት ናብ ኤርትር ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል፣ ብ13 ግንቦት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣህጉራዊ በረራታት [...]

ሆላንድ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ “ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ” ምምዋሉ ኤርትራውያን ክሲ መስሪቶም
Radio Erena: 14 May 2020
ኣብ ሆላንድ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ፣ ብግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝገለጽዎ መደባት ምምዋሉ፣ ከሲ ከምዝመስረትሉ ዓበይ [...]

“መሰረታዊ መግብታት ንምርካብ ንጽገም ኣሎና።” ነበርቲ ከተማ ኣስመራ
Radio Erena: 14 May 2020
ኣብ ኤርትራ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ድሕሪ ዝወጀ ኣዋጅ ምዕጻው ኣብ ኣባይቲ፣ ህዝቢ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይጽገም ከምዘሎ ክቃላሕ ጸኒሑ'ዩ።
ብፍላይ ሓያሎ መሰረታዊ መግብታ [...]

ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ብቀዳም 9 ግንቦት ኣኼባ ምክያዱ ተገሊጹ
Radio Erena: 13 May 2020
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብቀዳም 9 ግንቦት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ደንደን ኣኼባ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።
እቲ ኩሎም ኣባላቱ ከምዘይተረኽቡ ዝተሓበረ ካቢኔ፣ ኣብቲ [...]

ኣፍሪቃ፣ ብሕማም ኤችኣይቪ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ
Radio Erena: 13 May 2020
ኣብ ሓያሎ ሃገራት፣ ክካየድ ዝጸንሐ ለበዳ ኤቭኣይቪ ኤይድስ ናይ ምግታእ መደባት ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እንተደኣ ተዓናቒፉ ፣ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ፣ ኣ [...]

‘ኢማኩሊ፣ ናይ ግዳያት ግዳይ’ – ወትሩ ሰሉስ ኣብ ሬድዮ ኤረና
Radio Erena: 12 May 2020
'Left To Tell' ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ህልቂት ርዋንዳ ንስክላ ብዝደሓነት መንእሰይ ኢማኵሊ ተጻሒፋ፣ ኣብ 2006 ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምዝርግሓ፣ ሚልዮናት ቅድሓት ተሸይጣን ናብ ዝተፈላ [...]

ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንላዕሊ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣስጊኡ
Radio Erena:12 May 2020
ኤርትራ ኣብ ትርከቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ መወዳእታ ኣዋርሕ ናይ 2019 ኣትሒዙ ጸጸኒሑ ዘጥቅዕ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ናይ መግቢ ዋሕዲ ከየኸትል ስግኣት ከምዘሎ ው [...]

ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ቤን ዓምርን ኑባን ብዝተኻየደ ናይ ቀቢላ ግጭት 3 ሰባት ተቐቲሎም፣ 79 ቆሲሎም
Radio Erena: 11 May 2020
ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ካብ ቤጃ ዝኾኑ ቤን ዓምርን ኑባን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቅቢላ ግጭት ብውሕዱ 3 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 79 ድማ ቆሲሎም።
እቲ ካብ ሓሙስ 7 [...]

ሊብያ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ውግእ ይሳተፉ ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ
Radio Erena: 11 May 2020
ኣብ ሊብያ፣ 1200 ሩስያውያን ዕሱባት፣ ምስ ሓይልታት ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ተጸንቢሮም፣ ኣብ ውግእ እታ ሃገር ይሳተፉ ምህላዎም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ።
እቶም "ዋግነር ግሩ [...]