ልዕሊ 350 ኣባላት ናይቲ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ዓስኪሩ

Radio Erena: 17 May 2020

ልዕሊ 350 ኣባላት ናይቲ ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን፣ ኣብ ከባቢ ሳዋ ዓስኪሩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሊብያ ኦብዘርቨር ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ጀነራል ሐመቲ ብዝጠለበቶ ሓገዝ መሰረት፣ እቶም ወተሃደራት ኣብ መሬት ኤርትራ ኣዕሪፎም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ከምዝፍለጥ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ብኸሊፋ ሓፍታር ዝምራሕ ሰራዊት ሊብያ ብምድጋፍ ኣጽዋርን ካልእ ወተሃደራዊ ሓገዛትን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢላ ክትልእኽ ምጽናሓ ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ጀነራል ሓምዳን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካብ ሰራዊቱ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሊብያ ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሓያሎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ተቓውሞ ክገጥሞ ጀሚሩ’ሎ።

እቲ ጀነራል፣ ሰራዊቱ ናብ ሊብያ ቅድሚ ምኻዶም፣ ካብ ኤርትራ ክብገሱ ዝደለየሉ ምኽንያት፣ ነዚ ተቓውሞታት’ዚ ንምህዳእ ዝዓለመ’ዩ፣ ክብሉ ወተሃደራዊያን ተንተንቲ ይገልጹ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓር ኣልበሽር፣ እቲ ብጀነራል ሓምዳን ዝምራሕ ምልሻ፣ ናብ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ክጽምበር ትጽቢት ሓያሎ ወገናት እኳ እንተነበረ፣ ዛጊት ናይ ገዛእ ርእሱ እዚ ኣቚሙ’ዩ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዘሎ።

ኣብ ውግእ ሓድሕድ ሊብያ እውን ኢድ ብምእታው፣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኸሊፋ ሓፍታር ዝርከቡ ሻምብቆታት ነዳዲ ዝርከቦም ሓያሎ ከባቢታት ኣብ ሓለዋ ተዋፊሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0