ሆላንድ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ “ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ” ምምዋሉ ኤርትራውያን ክሲ መስሪቶም

Radio Erena: 14 May 2020

ኣብ ሆላንድ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ፣ ብግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ዝገለጽዎ መደባት ምምዋሉ፣ ከሲ ከምዝመስረትሉ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ገሊጸን።

እቲ 37 ገጻት ዘለዎ ክሲ፣ ብ13 ግንቦት፣ ኣብታ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾነት ሆላንድ፣ ከተማ ኣምስተርዳን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከምዝተላእከ ዘመልከታ እተን ማዕከናት ዜና፣ እቲ ክሲ 17 ሰነ ኣብ መዝገብ ካብ ዝሰፍረሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ሕብረት ኤውሮጳ መልሲ ንኽህብ ናይ ወርሒን ክልተ ቅነን ግዜ ክወሃቦ ምዃኑ ኣገንዚበን።

ኣብ ብርጣንያን’ውን ተመሳሳሊ ክሲ ንምምስራት ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከስርሖ ዝወጠኖ መስመር ጽርጊያ ኤርትራ-ኢትዮጵያ፣ ንምምዋል ፊናንስያዊ ሓገዝ ምብርካቱ ሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ናይቲ ሕብረት ብ23 ጥሪ ተቓውሞ ከምዘስምዑ ይዝከር።

እቶም ኣባላት፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝሃቦ ሓገዝ፣ ምስቲ ኣብ መጀመሪያ ዝተገልጸን ብምስጢር ዝተለገሰን ናይ ኣስታት 60 ሚልዮን ዩሮ ፍልልይ ከምዘለዎ’ዮም ነቒፎም።

ወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ጽርጊያ ንምህናጽ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ተወሳኺ ናይ 95 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ’ዩ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝግለጽ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንምህናጽ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ጽርግያ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝሃቦ መጠን ሓገዝ፣ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ራፖርተር ፓርላማ ናይቲ ሕብረት፣ ሚሸል ሪቫሲ፣ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቲ ሕብረት ነቲ መንግስቲ ፊናንስያዊ ሓገዝ ምብርካቱ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ግዱድ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ብቐጥታ ይሳተፍ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ ክትብል ወቒሳ’ያ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብጉልባብ “ሃገራዊ ኣገልግሎት”፣ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ዕስክርናን ተጸሚዶም ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0