ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ቤን ዓምርን ኑባን ብዝተኻየደ ናይ ቀቢላ ግጭት 3 ሰባት ተቐቲሎም፣ 79 ቆሲሎም

Radio Erena: 11 May 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣብ መንጎ ካብ ቤጃ ዝኾኑ ቤን ዓምርን ኑባን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቅቢላ ግጭት ብውሕዱ 3 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ 79 ድማ ቆሲሎም።

እቲ ካብ ሓሙስ 7 ግንቦት ኣትሕዙ ዝተጎሃሃረ ግጭት ክሳብ ቀዳም 9 ግንቦት ከምዝቐጸለ’ዩ ተሓቢሩ።

በቲ ግጭት ሓያሎ ኣባይቲ ከምዝተቓጸለን 3 ካብ ወገን ቀቢላ ቤን ዓምር ከምዝሞቱ መግለጺ ኣማሓዳሪ ዞባ ከሰላ፣ ሜጀረ ጀነራል ባበከር ሓምድ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ብዝሒ ግዳያት ካብዚ ብኣማሓዳሪ ‘ቲ ዞባ ዝተዋህበ መግለጺ ክዛይድ ከምዝኽእል ናይ ዓይኒ መሰካኽር ብምጥቃስ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ የመልክታ።

ጠንቂ’ቲ ቀቢላዊ ግጭት ዛጊት ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ መንጎ ክልተ ውልቀሰባት ብዝተላዕለ ባእሲ ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ተመልኪቱ።

ካብ ዓሌት ቤጃ ዝኾኑ ቤን ዓምር፣ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን ዝነብሩ ቀቢላ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኑባ ድማ ካብ ጎቦታት ደቡብ ኮርዶፋን ዝፈለሱ ምዃኖም’ዩ ዝንገር።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቤጃን፣ ራሻይዳ ከምኡ ድማ ቤን ዓምርን ሃደንደዋን ዓሌትን ቀቢላን ዝመሰረቱ ግጭታት ብተደጋጋሚ ክካየድ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ሰነዳት ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0