ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት፣ 700 ሽሕ ክታበት ናብ ኤርትራ ልኢኹ

Radio Erena: 14 May 2020

ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፣ ልዕሊ 700 ሽሕ ክታበት ናብ ኤርትር ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፣ ብ13 ግንቦት ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣህጉራዊ በረራታት ተሰናኺሉሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ነቲ ክታበት ናብ ኤርትር ከብጽሖ ከምዝኽኣለ ብምጥቃስ፣ ትሕቲ 3 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑ ዝወሃብ ክተታበት ናብ 95% ከምዘዕበዮ ሓቢሩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቆልዑ ዘድሃበ ናይ ጥዕና፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ድሕነትን ምወላን ፕሮጀክታትን ክገብር ዝጸንሐ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብ ጥቅምቲ 2019’ውን 4.3 ሚልዮን መዐቐኒ ወይ ዶዝ ዘለዎ፣ “ህወይት ዘድሕን” ተባሂሉ ዝግለጽ መድሃኒታት ብፍልይቲ ነፋሪት ናብ ኣስመራ ከምዝልኣኸ ዝዝከር’ዩ።

እቲ ኣስታት 20 ሽሕ ኪሎ ዝምዘን መድሃኒታት፣ መብዛሕቱ ክታበት ጸረ ኣንቅጺ ምዃኑ ኣብቲ እዋን’ቲ ተጠቒሱ’ዩ።

ኤርትራ፣ ብሸፈነ ክታበት ሓንቲ ካብ ዕውታት ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ።

እዚ ድማ ሳላ ሓገዝ ከም ዩኒሴፍ፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦትን ዝኣመሰላ መሻርኽትን ጻዕሪ መንግስታውያን ትካላትን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ዩኒሴፍ፣ ካብ 2014 ንደሓር ጥራይ፣ ኣብ ክታበት ቆልዑ ዘድሃበ ህጹጽ መድሃኒታት፣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ፣ ናብ ኤርትራ ብነፈርቲ ክልእኽ ጸኒሑ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0