ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ብቀዳም 9 ግንቦት ኣኼባ ምክያዱ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 May 2020

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ብቀዳም 9 ግንቦት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ፣ ኣብ ኣስመራ ኣዳራሽ ደንደን ኣኼባ ከምዘካየደ ተሓቢሩ።

እቲ ኩሎም ኣባላቱ ከምዘይተረኽቡ ዝተሓበረ ካቢኔ፣ ኣብቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣኼብኡ ዝዘተየሎም ነጥብታት ይኹን ብዛዕባ ምእካቡ ብመነገዲ ማዕከናት ዜና መንግስቲ እኳ እንተዘይተቓልሐ፣ ኣብ ዝመጽእ’ውን ተወሳኺ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ’ዩ ዘነጽር እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

ህዝቢ፣ ካብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ዝጽበዮ ነገር እኳ እንተዘየለ፣ መራሕትን ሚኒስተራትን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንህዝብታቶም ኣብ ዘረጋግእሉን ድሕሪ ኮረና ቫይረስ ንዝህሉ መደባትን ድማ ብዝርዝር ኣብ ዝገልጽሉ እዋንግና ካቢኔ ሚኒስተራር ኤርትራ ይኹን እታ ብቀንዱ እዚ ዝሎ ኩነታት ብቀጥታ ዝምልከታ ሚኒስተር ጥዕና ደሃዮም ምጥፍኡ፣ መቀጸልታ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዘጉልሕ ምዃኑ’ዩ ዝትንተን።

ብኣንጻር እዚ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ብጉልባብ ዘተ ኣብ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ምክልኻል ወራር ዕስለ ኣንበጣን፣ ብ3ን 4 ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምክያድ፣ ፕሮጀክታት ማይ ክልል ኦሮሞ ክምርቕን መደረታት ከስምዕን’ዩ ተርእዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪ 4 years ago

    እንታይ ሓበጠኩም፡
    ህዝቢ ካብ ምእካብ መራሕቱ ዝጽበዮ እንተዘየል፡ እንተዘይትኣከቡ እንታይ ሓበጠኩም? ዶስ እቲ ብውሽጥኹም ዝሓቕየኩም እዩ ዓጀውጀው ዘብለኩም።
    ካቢነ ይትኣከብ ኣይትኣከብ፡ ህዝቢ ይፍለጥ ኣይፍለጥ ትግደሱሉ ዘለኹም፡ ንእንታይ ተባህለ እምበር ካብቲ ኣኼባ ጽቡቕ ነገር ኣልዒልኩም ክትዛረቡ ስለዘይኮንኩም፡ ዕደ ነሳእኩም ይብሉ ዓድና ዕደ ነሳእኩም። ንነፋጣት ዝዕለል ወረ የብልናን።
    ድሓር ድማ፡ መራሒ’ታ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዘላ ምዕብልቲ ሃገረ ኣሜሪካ፡ ዶናልድ ትራምፕ ይኹን፡ መራሒ’ታ ኣብ ጎዶቦና ዘላ ድኻ ሃገር ዶ/ር ኣብይን፡ ባዕሎም ዝተዛረብዎን ካቢነታቶም ኣኪቦም ዝተዛረብዎን መን ኣመስጊንዎም? መሳኪን ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ ዘለዉ። ስለዚ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ስራሕ እምበር ኣብ ዘረባ ከምዘይኣምን ታሪኹ ዝምስክሮ።
    ታብ ግዜ ቃልሲ፡ ኩለን ከተማታት በብሓደ ሓራ ከውጽአን ከሎ እናተዛረበ (እናፈከረ) ዘይኮነ ኣብ ኢዱ ምስ ጨበጠ ግን. . . ፈጨው’ዩ ዓወት ንሓፋሽ! ኢሉ ድማ ናይ ቀጻሊ መደቡ ይትልም። ዘረባ ግን የ. . ሎ . . ን። ሕጂ’ውን ዕደ ነሳእኹም።