‘ኢማኩሊ፣ ናይ ግዳያት ግዳይ’ – ወትሩ ሰሉስ ኣብ ሬድዮ ኤረና

Radio Erena: 12 May 2020

‘Left To Tell’ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ህልቂት ርዋንዳ ንስክላ ብዝደሓነት መንእሰይ ኢማኵሊ ተጻሒፋ፣ ኣብ 2006 ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምዝርግሓ፣ ሚልዮናት ቅድሓት ተሸይጣን ናብ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ድማ ተተርጕማን’ያ።

መምህር ፍቕሩ ኣርኣያ፣ ነዛ መጽሓፍ፣ ብዝቐለለን ትግርኛ ከንብብ ዝኽእል ብዝርድኦን ተርጕሙ፣ ዛንታ ድማ ብዝምስጥ ዋሕዚ ኣኸቲሉ “ኢማኵሊ፣- ናይ ግዳያት ግዳይ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪብሉና ኣሎ።

እዛ ብውሕሉል ኣገባብ ተርጕሙ ናብ ህዝቢ ዝዘርግሓ መጽሓፍ፣ ናብ ኩሉ ክትባጻሕን፣ ህዝቢ ድማ ካብዚ ስቃይ፣ እምነትን ተስፋን እዚ ሓቐኛ ፍጻሜ እንታይ ክመሃር ይኽእል? ካብ ዝብል ሓሳብ ብሬድዮ ኤረና ክትትረኽ ፈቒዱልና ኣሎ።

ንመምህር ፍቕሩ ኣርኣያ፣ ብስም ሬድዮ ኤረና ተኸታተልቲን ኣዚና ነምስግኖ። ንዛንታ ኢማኩሊ፣ ወይኒ ሱሌማን ተሪኻትልና ኣላ። ወትሩ ሰሉስ ኣብ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ!!!

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0