“መሰረታዊ መግብታት ንምርካብ ንጽገም ኣሎና።” ነበርቲ ከተማ ኣስመራ

Radio Erena: 14 May 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ምስ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ድሕሪ ዝወጀ ኣዋጅ ምዕጻው ኣብ ኣባይቲ፣ ህዝቢ መሰረታዊ ነገራት ንምርካብ ይጽገም ከምዘሎ ክቃላሕ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ሓያሎ መሰረታዊ መግብታት ዝቕርባ ትካላት፣ ምስቲ ኣዋጅ ኣተሓሒዘን፣ ንብረተን ክሓብኣ፣ ካልኦት ከኣ ናብ ናይ ስድራቤታተን ሃልኪ ከውዕልኦ ምስ ምጅማረን፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 10ታት ትካላት ናይ ምዕሻግን ናይ ገንዘብን መቕጻዕታት ዝርከቦ ስጉምታት ከምዝወሰደ’ዩ ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር፣ እኹል ቀረብ ምስ ዘይምህላው፣ ዋላ’ውን እተን ስራሕ ጀሚረን ዘለዋ ትካላት፣ ከም ዘይቲን ሽኮርን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታት ከምዘይብለን ንዓማዊለን ይሕብራ ኣለዋ።

ብሰንኩ ድማ ብሕቡእ ኣብ ዝሽየጥ ዘሎ ዕዳጋታት፣ ንሓንቲ ጃሎን ዘይቲ ክሳብ 400 ናቕፋ ይሽየጥ ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ወገናት ከም ኣብነት ኣረዲኦም።

ህዝቢ፣ ጎረባብቲ ናይ ምሕጋዝ ተበግሶታት ይወስድ እኳ እንተሎ፣ ንኹሉ ከባጽሕ ግና ንባዕሉ’ውን ዓቕሚ ስለዝሓጽሮ፣ ሓያሎ ስድራቤታት ኣብ ጸገም ምውዳቐን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረጋግጽ።

ካብ ወጻኢ ሃገራት ብሓዋላ ገንዘብ ክልኣኸለን ዝኸኣላ ስድራቤታት’ውን መጠን ሸርፊን ምስ ዘሎ ዕዳጋ ዘይመጣጠን ስለዝኾነ፣ እኹል ከሸምት ከምዘይክእል’ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

እቲ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ 100 ዶላር ኣመሪካ ኣስታት 1350 ናቕፋ ትሽረፍ ከምዘላን፣ ብኣንጻር እዚ ድማ ወርሓዊ ንሃልኪ ኤሌክትሪክ ዝኽፈል መጠን ገንዘብ ካብ 700 ክሳብ 1000 ናቕፋ ዝግመት ምስ ምዃኑ፣ እቲ ሸርፊን ዘሎ ናይ ዕዳጋ ኩነታትን ዘይመጣጠን ምዃኑ የነጽር።

ህዝቢ፣ ጠዋሪ ንዘይብለንን ትሑት መነባብሮ ንዘለወንን ስድራቤታት ዝገብሮ ዘሎ ግዝያዊ ናይ መግቢን ገንዘብን ሓገዛት፣ ሓደ ካብ ጾር ህዝቢ ንዝኮነ ወርሓዊት ክፍሊት ክራይ ኣባይቲ’ውን ንግዜኡ ከወንዝፍ ይርአ ኣሎ።

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣ’ውን ምስ ዝወርድ ዘሎ ዝናብ፣ ተዛማዲ ፍታሕ ማይ እኳ እንተተረኽበ፣ ብሻምብቆታትን ቦጣትን ዝባጻሕ ዝነበረ ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ግና ክፍታሕ ከምዘይክኣለ’ዩ ተመልኪቱ።

ደሃዩ ኣጥፊኡ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ ብኣንጽሩ፣ ብዛዕባ ድሕሪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝህሉ መደባት ሕውየት ቁጠባዊ ይኹን ማሕበራዊ ድሕነት ንህዝቢ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0