ሊብያ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሩስያውያን ዕሱባት ኣብ ውግእ ይሳተፉ ምህላዎም ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ

Radio Erena: 11 May 2020

ኣብ ሊብያ፣ 1200 ሩስያውያን ዕሱባት፣ ምስ ሓይልታት ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ተጸንቢሮም፣ ኣብ ውግእ እታ ሃገር ይሳተፉ ምህላዎም ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ።

እቶም “ዋግነር ግሩፕ” ካብ ዝተባህለ ናይ ብሕቲ ናይ ጸጥታ ትካል ከምዝተላእኩ ዝተሓበሩ ሩስያውያን፣ ኣብ ፍሉይ ወትሃደራዊ ዕማም ዝተዋፈሩ ምዃኖም፣ እቲ 57 ገጻት ዘለዎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ልሒዅ ዝወጸ ጸብጻብ ኣገንዚቡ።

ዕሱባት ሩስያ ኣብ ውግኣት ሶርያ’ውን ይሳተፉ ምንባሮም’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ መንግስቲ ሩስያ፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ተዓሲቦም ዝተዋፈሩ ዜጋታቱ ከምዘየለዉ ይምጉት።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመራሒተን ግብጺ፣ ሱዳንን ኤርትራን ንጀነራል ሓፍታር ከምዝድግፋ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሱዳናውያን ዑስባት ናብ ሊብያ ከተዋፍር ምጽንሓ’ያ ትውቀስ።

ብኣንጽር እዚ ቱርኪ፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጦ ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ንምድጋፍ ብወግዒ ሰራዊት ምልኣኻ ይዝከር።

ኣብ ሊብያ፣ ሃገራት ዓረብን ካልኦት ረብሓ ዘለወን ሃገራትን ናይ ውክልና ኵናት የካይዳ ብምህላወን፣ መስርሕ ሰላም እታ ሃገር ብቀሊሉ ክትግብር ከምዘይክኣል ተንተንቲ የረድኡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0