Author: Admin
ኢትዮጵያ፣ ፍቓድ ሮይተርስ ኣጊዳ፣ ንቢቢሲን ዶቸ ቬለን ድማ መጠንቀቕታ ሂባ
Radio Erena: 20 Movember 2020
ንሜድያታት ፍቓድ ዝህብ በዓል መዚ ፈነወ ኢትዮጵያ፣ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሂብዎ ዝነበረ ፍቓድ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ፣ ንቢቢሲን ካብ ጀርመን ንእትፍኖ ዶቸ [...]
ሶማል ፣ ምስ መርገጺ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ
Radio Erena: 20 November 2020
መንግስቲ ሶማል፣ ምስ መርገጺ ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብዝተሓሓዝ፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ኣሕመድ ዒሰ ዓዋድ ካብ ስልጣኑ ተሰጕጉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ [...]
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን፣ ኵናት ትግራይ ብዘተ ክፍታሕ ጸዊዐን
Radio Erena: 20 November 2020
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተወሊ [...]
8 ወይ 9 እሱራት ዝጸዓነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣስመራ ዓሊባ
Radio Erena: 20 November 2020
መንነቶም ዘይተፈልጡ፣ 8 ወይ 9 ዝኾኑ እስራት ዝጸዓነት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ብሓሙስ 12 ሕዳር፣ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝዓለበት ናይ ዓ [...]
ኡጋንዳ፣ ንምእሳር ካልኣይ ግዜ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ቦቢ ዋንይ ስዒቡ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ ብውሕዱ 16 ሰባት ተቐቲሎም
Radio Erena: 20 November 2020
ኡጋንዳ፣ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ሙሴቬኒ ክብድህ ይኽእል'ዩ ዝተባህለ ሕጹይ ተወዳዳሪ፣ ኣብ ውስጢ ሓደ ወርሒ ንኻልኣይ እዋኑ ድሕሪ ምእሳሩ፣ ኣብታ ሃገር ተቓውሞም ናዕ [...]
تحويل مستشفى صنعفي لمستشفى عسكري لعلاج الجنود الاثيوبيين
اذاعة إرينا الدولية: الأخبار 19 نوفمبر 2020
أكدت مصادر عليمة لإذاعة إرينا الدولية بأن السلطات حولت مستشفى مدينة صنعفي إلى مستشفى خاص بعلاج جرحى ق [...]
ሆስፒታል ሰንዓፈ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ብዝተወግኡ ወትሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቑ
Radio Erena: 18 November 2020
ኣብ ሰንዓፈ ዝርከብ ሆስፒታል፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኵናት ትግራይ ብዝተወግኡ፣ ወትሃደራውት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዕለቕሊቑ ከምዘሎ ራድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ።
እቲ ሆስፒታል [...]
ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ፣ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ እምባር ሓጎዳ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም
Radio Erena: 18 November 2020
ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ እምባር ሓጎዳ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት፣ ክልተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ከምኡ ድማ ጎረቤት ዝኾና ዓባይ ሰበይት፣ ብጠቕላላ ሰለስ [...]
ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ መቐለ ይግስግስ ከምዘሎ ገሊጹ
Radio Erena: 18 November 2020
ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
እቲ ሰራዊት ዛጊት ብምዕራብ፣ ንሑመራ፣ ብሰሜን [...]
ከሰላ፣ ኣዛዚ ፖሊስን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ምምሕዳርን ካብ መዝነቶም ክእለዩ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ
Radio Erena: 18 November 2020
ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣዛዚ ፖሊስን ዋና ጸሓፊ ምምሕዳርን ካብ መዝነቶም ክእለዩ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
እቲ ብሰውራዊ ኪዳን ምብራቕ ሱዳን ዝተጸውዐ ሰለማዊ [...]