ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ መቐለ ይግስግስ ከምዘሎ ገሊጹ

Radio Erena: 18 November 2020

ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እናሓየለ ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት ዛጊት ብምዕራብ፣ ንሑመራ፣ ብሰሜን ንሽረ ብደቡብ ድማ ንኣላማጣ ዝርከቦ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ከምዝተቖጻጸረ ብምርግጋጽ፣ ናብ መቐለ ይግስግስ ምህላዉ ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ፣ ዶ/ር ደብረጽዮን፣ ትማሊ 18 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ እዋናዊ መግለጺ፣ ከተማታት ሽረን ኣላማጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት መንግስቲ ከምዝኣተዋ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ፣ ብዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ ኣብ ህዝቢ ጉድኣት የውርድን፣ ናብ ዝኣተወን ከተማታት ድማ ህዝቢ የበሳብን ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ህዝቢ ትግራይ፣ ኣንጻር እዚ ወራሪ ዝበሊ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ክኸትት ድማ ደጊሙ ጸዊዑ።

ኣብዚ ክልተ ሰሙን ኣቑጽሩ ዘሎ ኵናት ፈደራላዊ መንግስቲን ክልል ትግራይን፣ ካብ ክልቲኡ ወገን ናይ ዝሞቱ ብዝሒ ዕጡቓት ይኹን ሰለማዊ ህዝቢ ኣይተጠቕሰን።

ይኹን’ምበር፣ ካብቲ ኵናት ናብ ሱዳን ናይ ዝሃደሙ ብዝሒ ሰባት ኣስታት 30 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ’ውን ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ንዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ብሰለማኢው መንገዲ፣ ብዘተ ንምፍትሑ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ንምውሳድ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0