ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን፣ ኵናት ትግራይ ብዘተ ክፍታሕ ጸዊዐን

Radio Erena: 20 November 2020

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናትን ብዘተን ልዝብን፣ ብሰለማዊ መንገዲ ክፍታሕ ጻውዒት ኣቕሪበን።

እዘን ኣብያተ ክርስትያን፣ ኵናት ብዘይካ ሞት፣ ስንክልና፣ ምምዝባንል ካልእ ንድሕሪት ዝጎትት ነገራትን እንተዘይኮይኑ ዘምጽኦ ጽቡቕ ነገር ይኹን ለውጢ ከምዘየለ ብምትሕስሳብ፣ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ኮኒነን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካን፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ “ኵናት ቀለቡ ሰብ’ዩ” ድሕሪ ምባል፣ መራሕቲ መንግስት ፈደራልን ክልል ትግራይን፣ ጉዳዮም ብዘተ ክፈትሑ ኣዘኻኺሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ድማ፣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቓ ካብ ምእታው ክቑጠብን ተወሳኺ ምፍሳስ ደም መንእሰያት ከይህሉን ኣተሓሳሲቡ።

መልእክተ ሰላም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብወገኑ፣ ውግእ ክትጅምሮ እምበር መዓስን ኣበይን ደው ከተብሎ ዘይትፈልጥ፣ ተሰዓሪ እምበር ሰዓሪ ዘይብሉ ኣዕናዊ ተግባር ምዃኑ ብምዝክኻር፣ ንሓቂ፣ ርትዒ፣ ፍቕርን ናጽነትን ከምዘብርስ’ውን ገሊጹ።

ስለዚ፣ እዚ ኣዕናዊ ውግእን ንዕኡ ዘጎሃህር ዘረባን ቃላትን ምእንቲ ህዝብታት ብዝቐልጠፈ ክቛርጽ፣ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ድማ ብዘተን ምርድዳእን ክፍታሕን ደጊሙ ተማሕጺኑ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0