ከሰላ፣ ኣዛዚ ፖሊስን ዋና ጸሓፊ ናይቲ ምምሕዳርን ካብ መዝነቶም ክእለዩ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 18 November 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ዞባ ከሰላ፣ ኣዛዚ ፖሊስን ዋና ጸሓፊ ምምሕዳርን ካብ መዝነቶም ክእለዩ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ብሰውራዊ ኪዳን ምብራቕ ሱዳን ዝተጸውዐ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝኸፈትዎ ቶዅሲ ብምዅናን፣ ፈጸምቱ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣማሓዳሪ ከሰላ ኮይኑ ንዝተመዘዘ ተወላዲ ቀቢላ ቢን ዓምር ንምቛም፣ ካብ ቀቢላ ሃደንደዋ ዝኾኑ ቤጃ፣ ሰፊሕ ተቓውሞታት ከምዘካየዱ ዝዝከር’ዩ።

ፖሊስ፣ ነቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝተኮስዎ ጠያይቲ ድማ ብውሕዱ 8 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ 10ታት ቆሲሎም’ዮም።

እቲ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ብሄረ ቤጃ ዝኾኑ ቀቢላታት ሃደንደዋን ቤን ዓምርን፣ ዝተጎሃሃረ ግጭጣት እናበኣሰ ድሕሪ ምምጽኡ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ነቲ ዝተሸመ ኣምሓዳሪ፣ ከሰለ ከይበጽሐ ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎ ይዝከር።

እዚ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ከሰላ፣ ኣብ ዝርከብ ኣይ ዕዳጋ ቦታ፣ ኣእዳው ብምትሕሓዝ ሰንሰለታዊ መስርዕ ሰብ ብምቛም ዝተኻየደ ተቓውሞ ድማ፣ ነቶም ዝተረፉ ሓለፍቲ፣ ኣዛዚ ፖሊስን ዋና ጸሓፊ ምምሕዳርን ካብ ስልጣኖም ንምእላው ዝዓለመ’ዩ።

ፖለቲካውያን ሓይልታት ዞባ ምብራቕ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ጁባ ንዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ሱዳን ስለዘይተቐበሉ፣ እቲ ብዙሕ ክፋሉ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ዞባ፣ ገና ተኣፋፊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0