Category: ዜና ኤርትራ

1 585 586 587 588 589 594 5870 / 5932
ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

ድምጺ ሬድዮ ኤረና፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና ትብል።    ሓድሽ ዓመት 2013፣ ዓመተ ራህዋ፣ ቅሳነትን ምዕባለን ክትኮነልና፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕልፎ ዘሎ መስገደል ዝመልኦ ህይወት ወጺኡ፣ ህድኣት [...]

መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኩባ ናይ ሞያውያን ሓገዝ ይሓትት

ብዋሕዲ ሞያውያን ሓካይም ኣብ መዋጥር ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ኩባ  ናይ ሞያውያን ሓገዝ ይሓትት ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሮም።    በብግዜኡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሞያ ሕክምና ዝምሃሩን ዝስልጥኑን ዜጋታ [...]

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደምህትን ኤርትራን ተራኺቦም

ላዕለዎት ሓለፍቲ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ ደምህት ምስ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኤርትራ ኣብ ባረንቱ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።    ደምህት ኣብ ከባቢ ፎርቶ ሳዋ [...]

ሓላፊ ምህንድስና ኤሪ-ቲቪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ

ሓላፊ ምህንድስና ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።    ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልገለ ዳኒኤል ክፍሎም፣ ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ሓላፊ ምንህድስ [...]

ኣብ ፊፋ፣ ኤርትራ ምስተን ናይ መወዳእታ 5 ሃገራት ተሰሪዓ

ኣህጉራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ -ፊፋ ብ19 ታሕሳስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ብቕዓት ሃገራውያን ጋንታት፣ ኤርትራ ምስተን ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ሃገራት ተሰሪዓ።        ጅቡቲ ብብቕዓት ተጻወታ፣ ዝተሓተ ደረጃ ሒዛ ኣብ መወዳእታ ማለ [...]

ንህይወት ኤርትራውያን ዘንጸባርቕ ኤግዚቪሽን ኣብ ፓሪስ ተኸፊቱ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ንዘሕለፍዎ ስቓይ ዘንጸባርቕ ስእላዊ ኤግዚቪሽን ኣብ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ ተኸፊቱ።እቲ ብሰራሕተኛታት ትካል ግብረ ሰናይ ኣብ ሊብያ ብዝነበሩ ፈረንሳውያን ዝተዳለወ ኣሳእል፣ ኣብ ቤንቓዚ ከምኡ ድማ ኣብቲ ን [...]

ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ትሽምት

 ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣጽዋር ክትሽምት ምጽንሓ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ወጻኢ ጉዳይት ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።    ሰሜን ኮርያ፣ ሓንቲ ካብተን ብዝሒ ኣጽዋር ዘፍርያ ሃገራት ኮይና፣ ዕዳጋታታ ናብተን ብእገዳ ዝሳ [...]

17 ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠፊኦም።

እቶም ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብ13 ታሕሳስ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ተበጊሶም ናብ ኤርትራ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ ደሃዮም ጠፊኡ።     ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን የመንን ምስቶም ካብ የመን ብኽልተ ጀላቡ ዝተበገሱ 1 [...]

ኣብ ኤርትራ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይቕጽል

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገኒኑ ዘሎ ናይ ነዊሕ ሰዓታት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ህዝቢ ኣእካል ንምጥሓን  ኣብ ኣብያተ መጥሓን ይሓድር ምህላዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣቃሊሖም።    ህዝቢ እኽሊ ንምጥሓን ኣብ መሳርዕ ኣብ ኣብያተ መጥሓን [...]

ኤርትራ ናይ 17.28 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

ኣህጉራዊ ትካል ንሕርሻዊ ምዕባለ ዝተባህለ ትካል፣ ንኤርትራ ናይ 17.28 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝገበረላ ኣፍሊጡ።    እቲ ካብ ከተማ ሮማ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ነኣሽቱ ጽላታት [...]
1 585 586 587 588 589 594 5870 / 5932