17 ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ጠፊኦም።

እቶም ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብ13 ታሕሳስ ካብ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ተበጊሶም ናብ ኤርትራ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ ደሃዮም ጠፊኡ።

    ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኤርትራን የመንን ምስቶም ካብ የመን ብኽልተ ጀላቡ ዝተበገሱ 17 ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሮም ርክብ ከምዘቋረጹ ብምርግጋጽ፣ እቲ ዝጠፍእሉ ክሊ ማይ ናይ የመን ብምዃኑ የመን ንምድላዮም ጻዕርታት ክትገብር ሕቶ ቀሪቡ።

    ከምዝፍለጥ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ዝገፈፍዎ ዓሳ ኣብ የመን እናሸጡ ካብ የመን ድማ ከም ነዳድን መሰረታዊ መግብታትን ከምዝሽምቱ ዝፍለጥ’ዩ።

    እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጀላቡ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሓደ የመናዊ ቆሲሉ ክትብል የመኒ ፖስት ገሊጻ።

    የመን ብዛዕባ እዚ ናይ ኤርትራ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ኦኣሳ ብዝምልክተ ብቀጻሊ ክስታት ተቕርብ እኳ እንተላ ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ መልሲ ግና የለን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0