ሓላፊ ምህንድስና ኤሪ-ቲቪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ

ሓላፊ ምህንድስና ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታቱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

    ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልገለ ዳኒኤል ክፍሎም፣ ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ሓላፊ ምንህድስናን ተክኒካዊ ኣማኻሪ ሚኒስተርን ኮይኑ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተተ።

    ዳኒኤል ክፍሎም ብተወሳኺ ሓላፊ ክፍሊ ሳተላይት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ብምዃኑ ሚኒስትሪ ዜና ምስ ናይ ወጻኢ ትካላት ዘካይዶ ዝምድናታት መራኸቢታትን ሳተላይትን ብመንገዱ ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዳኒኤል ክፍሎም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተተሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ክቃላሕ ዝቐነየ ምስዋር ሚኒስተር ዜና ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥርጠር።

    ሚኒስተር ዜና ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፣ ካብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ቦትኡ ወጻኢ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ተሰዊሩ ምህላዉን፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ርክብ በቲኹ ምህላዉን ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0