ኤርትራ ናይ 17.28 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺባ

ኣህጉራዊ ትካል ንሕርሻዊ ምዕባለ ዝተባህለ ትካል፣ ንኤርትራ ናይ 17.28 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝገበረላ ኣፍሊጡ።

    እቲ ካብ ከተማ ሮማ ዝተመሓላለፈ ዜና ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ነኣሽቱ ጽላታት ምህርቲ ሕርሻ ዝውዕል ሓገዝ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ክሳለጥ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

 
    በዚ ዝተዋህበ ሓገዝ፣ ልዕሊ 81 ሽሕ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጠቐምቲ ከምዝኾኑ እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ርኡይ ቁጠባዊ ጸገም ኣጋጢሙሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ናይ ዓበይቲ ሰበስልጣናት መንግስቲ ኤርትራ ኢድ ኣለዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ካብ ሱዳንን የመንን ዝተበላሸወ መግቢ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ከምዝጸንሐ በብእዋኑ ተገሊጹ’ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኤርትራ ብመግቢ ርእሳ ክኢላ’ያ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ነዚ ሓገዝ ዝቕበል ዘሎ።

    ኣህጉራዊ ትካል ንሕርሻዊ ምዕባለ፣ ካብ 1995 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ሽዱሽተ ዓበይቲ ፕሮግራማት ከምዘሳለጠን ብሓፈሽኡ ናይ ልዕሊ 73 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘበርከተን ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0