ኣብ ኤርትራ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይቕጽል

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገኒኑ ዘሎ ናይ ነዊሕ ሰዓታት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፣ ህዝቢ ኣእካል ንምጥሓን  ኣብ ኣብያተ መጥሓን ይሓድር ምህላዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣቃሊሖም።

    ህዝቢ እኽሊ ንምጥሓን ኣብ መሳርዕ ኣብ ኣብያተ መጥሓን ክሳብ ክልተ መዓልታት ሓዲሩ ዝውዕለሉ እዋናት’ውን የጋጥም ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ሕጂ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዘሎ ኩነታት ነቲ ናይ 1991 ዓመት ምህረት ናይ መወዳእታ ሰዓታት ስርዓት ደርግ ከምዘኻኸሮም ሓቢሮም።

    መንግስቲ ኤርትራ፣ ን17ን 18ን ታሕሳስ ዋዕላ ወፍሪ ብምክያድ ዘቤታውን ኣህጉራውን ወፍሪ ንምዕዳም ተዳልዩ ከምዘሎ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ እቲ መሰረት ኩሉ ምዕባለን ወፍርን ዝኾነ ኤሌክትሪክ ናብ ዘይምህላው ገጹ እንተቓረበ ግና ወፍሪን ልምዓት ኢልካ ምዝራብ ሃልኪ ጥራይ’ዩ ክብሉ’ውን ኣረዲኦም።

    ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣስመራን ከባቢአን መዓልታዊ ንልዕሊ 10 ሰዓታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ የጋጥም ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

    መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓሰመ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ከም ጸባን ስጋን ዝኣመሰለ መሰረታዊ መግብታት ዘይርከብ ምዃኑ፣ ነቲ ብመቑነን ዝዕደል ዘሎ መሸላ’ውን ንምጥሓኑ ጋዶ ኮይኑ ምህላዉ ህዝቢ የማርር ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0