Category: News

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ንሓደ ካብ ጸለወ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ቀይዱ
Radio Erena: May 19, 2014 ምስ ተቃወምቲ ሰልፍታት ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ጽገናዊ ለውጢ ክገብር ምዃኑ ክገልጽ ዝጸንሀ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንሓደ ካብ ጸለወቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሳዲቕ ኣል ማህዲ ኣብ ቀይዲ [...]

ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ ፓትራይርክ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ ገዳም ክኸዱ ዘቕረብዎ ሕቶ መንግስቲ ኤርትራ ነጺግዎ
Radio Erena: May 16, 2014 ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከቡ መበል ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ካብቲ ተታሒዞምሉ ዘለዎ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ዕጹው ገዛ ናብ ሓደ ካብ ገዳማት ክግዕ [...]

ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ 305 ስደተኛታት ተታሒዞም
Radio Erena: May 16, 2014 ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ተወሰኽቲ 305 ስደተኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተታሒዞም። እቶም ኣብ ሰለስተ ናይ ጽዕነት መካይን ዝነብሩ 305 ስደተኛታት፣ ናብ ሊብያ ኣብ ዝወስድ ዶንጎ [...]

ሓባራዊ ኮሚቴ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን የመንን ንሳልስቲ ዝቐጸለ ርክብ ኣካይዶም
Radio Erena: May 16, 2014 መንግስቲ ኢትዮጵያን የመንን ኣብ ሓያሎ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ስምምዓት ትማሊ ሓሙስ ከቲሞም። እቲ ስምምዕ ዝተኸተመ፣ ሓባራዊ ርክብ ሚኒስተራት ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሰንዓ ድሕሪ ምክያዱ ኮይኑ፣ ነቲ [...]

ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ኤሌክትሪክ ገለ ክፋሉ ናብ ኤርትራ ክትሸጦ ምስምምዓ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ከምዘይብላ ተገሊጹ
Radio Erena: May 15, 2014 ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ እትሽምቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ገለ ክፋሉ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ናብ ኤርትራ ክትሸጦ ምስምምዓ፣ ኢትዮጵያ ዝኾነ ተቓውሞ ከምዘይብላ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣምባሳደር [...]

ብ 9ን 10ን ግንቦት ንሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሰሚናራት ካብ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ቁምነገር ኣይነበሮን ተባሂሉ
Radio Erena: May 15, 2014 ብ 9ን 10 ግንቦት ኣብ ኣስመራ ንላዕለዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ሚኒስትሪታትን ኣመሓደርትን ከምኡ ድማ ንሓለፍትን ካድራትን ህግደፍን ኣብ ዝተኻየደ ሰሚናር፣ ካብ ተሳተፍቲ በዳህቲ ሕቶታት ከምዝቐረ [...]

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተራእየ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ (MERS) ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይልሕም ጥንቓቐታት ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ
Radio Erena: May 15, 2014 ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተላቢዑ ዘሎ ቫይረስ ስርዓተ ምስትንፋስ፣ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይልሕም ጥንቓቐታት ክግበር ሰብ ሞያ ጥዕና ጸዊዖም። እቲ ብነድሪ ስርዓተ ምስትንፋስ ማእከላይ ምብራቕ ወይ ድማ M [...]

ኣብ ላምፔዱሳ ብዘጋጠመ ምጥሓል ጃልባ፣ ዜግነቶም ዘይተነጸረ ብውሕዱ 17 ስደተኛታት ሞይቶም
Radio Erena: May 14, 2014 ኣስታት 400 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ብምጥሓላ ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ። ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ኣድሒኑ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ገን ናይ ኣስታት [...]
ኣብ እስራኤል ብጌጋ ተቐይዶም ዝጸንሑ 23 ኤርትራውያን ተለቒቖም
Radio Erena: May 14, 2014 መንግስቲ እስራኤል፣ ብጌጋ ቀይዶም ዝጸንሐ 23 ኤርትራውያን ከምዝለቐቖም ጋዜጣ ሃረጽ ሓቢራ። እታ ጋዜጣ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ አቕረብቶ ጸብጻብ፣ 24 ኤርትራውያን ሕጊ ኢምግሬሽን እታ ሃገር ጥ [...]

ኣመሪካ ካብ ጅቡቲ ዝተኻረየቶ ቦታ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዶላር ክትከፍለሉ ምዃና ተቓሊዑ
Radio Erena: May 14, 2014 ኣመሪካ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከራት ዝኸውን ሰፊሕ መሬት ብኽራይ ንክትውንኖ ሓድሽ ውዕል ምኽታማ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ዝቕጽል 10 ዓመታት ብድምር 630 ሚልዮን ዶላር ክትከፍለሉ ከ [...]