ኣልሸባብ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሞቛድሾ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ኣልሸባብ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሞቛድሾ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

Radio Erena: 10 July, 2014

Alshabab

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ቤት መንግስቲ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

እቶም ኣርፒጂታት ዝርከቦ ጠበናጁ ዝዓጠቑ ኣባላት ኣልሸባብ፣ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት መንግስቲ ሶማል ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲኣብ ዘካየድዎ መጥቓዕቲ፣ ጽዕጹዕ ቶዅስን ብርቱዕ ነትጕን ክስማዕ እኳ እንተሓደረ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ኣፈኛ ፈደራላዊ ፖሊስ ሶማል ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣውራ ዕላም ናይቲ መጥቃዕቲ ዝነበረ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብቲ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቤት መንግስቲ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ።

 

ይኹን’ምበር ኣብቲ ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሕሎ ቤት መንግስቲ ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን ኣፈኛ ፓርላማን’ውን ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከምዘይበጽሖም እቲ ኣፈኛ ሓቢሩ።

ኣልሸባብ ኣብ ቀጽሪ ቤት መንግስቲ ሶማል ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከካይድ ኣብዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0