ኣብ ሲናይ ተቓውሞ ንዘካየዱ ኤርትራውያን ካብ 3 ክሳብ 6 ኣዋርሕ ኣብ ሳህሪኖም ክእሰሩ

ኣብ ሲናይ ተቓውሞ ንዘካየዱ ኤርትራውያን ካብ 3 ክሳብ 6 ኣዋርሕ ኣብ ሳህሪኖም ክእሰሩ

Radio Erena: 11 July, 2014

Eri Prison

መንግስቲ እስራኤል፣ ነቶም ኣብ ሲናይ ተቓውሞ ዘካየዱ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ካብ 3 ክሳብ 6 ወርሒ ኣብ ሳህሪኖም ክእሰሩ ወሲኑ።

እቶም ስደተኛታት፣ ካብቲ ተታሒዞምሉ ዝነበሩ ክፉትር ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ዝግለጽ ሖሎት ፈኒጢሶም ብምውጻእ’ ናብቲ ዝሰገርሉ ምስ ግብጺ ዘዳውብ ሲናይ ብምምራሕ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ዝዝከር’ዩ።

ሰራዊት እስራኤል ዘንብዕ ጋዝ፣ መደንዘዚ መራፍእን ጉልበትን እናተጠቕሙ ነቶም ስደተኛታት ብሓይሊ ኣብ ኣውቶቡሳት እናሰቐሉ ናብቲ ዝጸንከረ ቤት ማእሰርቲ ሳህሪኖም ድሕሪ ምእታዎም ድማ፣ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ክእሰሩ ተፈሪድዎም ኣሎ።

 

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኣብ መንጎ እስራኤል ፍልስጤምን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢርሎም ከምዘሎ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ዶብ ፍልስጤምን እስራኤል ዝሰርሑ ኤርትራውያን፣ በቲ ኩነታት ኩነታት ተጸልዮም ምህላዎም’ውን ኣረጋጊጹ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0