ኩባንያ ኣንድያሞ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ብሉጽ ዝዓይነቱ ወርቂን ነሓስን ረኺቡ

ኩባንያ ኣንድያሞ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ብሉጽ ዝዓይነቱ ወርቂን ነሓስን ረኺቡ

Radio Erena: 10 July, 2014

Mining in Eritrea

ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ፣ ያቆብ ድዋር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ዳህሳስን ኩዕታን ከካይድ ዝጸንሐ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኣንድያሞ ብሉጽ ዓይነት ነሓስን ወርቕን ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ከባቢታት ሃይኮታን በር ገበይን ዳህሳስን ኩዕታን ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዓመት ኦርታክ ምስ ዝተባህለ ካልእ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ብሽርክነት ክሰርሕ ከምዝተሰማምዐ ዝዝከር’ዩ።

 

እዚ ሕጂ ኣብ ያቖብ ድዋር ተረኺቡ ዘሎ ብሉጽ ዓይነት ነሓስን ወርቅን፣ ኩባንያ ኦርታክ ናይ ዕደና ዳህሳሱ ከስፍሕ ኣተባቢዕዎ ከምዘሎ ሓደ ካብ ኣካይድቲ ናይ ኩባንያ ቫሲልዮስ ካረላስ ገሊጹ።

ያቆብ ድዋር ካብ በር ገበይ ኣስታት ኣርባዕተ ኪሎሜተር ሰሜናዊ ምብራቕ ርሒቓ ትርከብ።

ኩባንያ ኣንድያሞ ኣቐዲሙ ኣብ ኤርትራ ዳህሳስን ኩዕታን ከካይድ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኦርታክ ድማ ዝሓለፈ ዓመት’ዩ ብሓደ ሚልዮን ዶላር ን18.85 ሚእታዊት ናይቲ ናይ ኣንድያሞ ፕሮጀክት ወኒኑ።

ኣብ ኤርትር ኣስታት 18 ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዳህሳስን ኩዕታን ኣብ ምክያድ ዝርከባ ኮይነን፣ ካብዝኣተን፣ ነቭሰን፣ ሳንሪጅ ሕጂ ድማ ኣንድያሞን ኦርታክን ኣዝዩ ዘተባብዕ ወርቕን ነሓሰን ምህላዉ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

ኔቭሰን ናይ ወርቂ ፍርያቱ ድሮ ናብ ዕዳጋ ዓለም ክልእኽ እንከሎ፣ ሳንሪጅ’ውን ወቅርን ነሓስን ንምልኣኽ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።

እዘን ኩባንያታት ዕደና ጸብጻባተን በብዕለቱ ናብ ወነንቲ ብርክታተን ከቕርባ እንከለዋ፣ ካብ 30 ክሳብ 40 ሚእታውት ናይዚ ዕደናታት ወኒኑ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ግና ንኹሉ ነገር ብምስጢር’ዩ ሒዝዎ ዘሎ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0