ጅቡቲ፣ ምስ ናይ ዱባይ ወሃብ ኣገልግሎት ወደብ ዝነበራ ናይ 30 ዓመት ውዕል ሰሪዛቶ

ጅቡቲ፣ ምስ ናይ ዱባይ ወሃብ ኣገልግሎት ወደብ ዝነበራ ናይ 30 ዓመት ውዕል ሰሪዛቶ

Radio Erena: 10 July, 2014

Djibou port

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ዲ.ፒ ዎርልድ ምስ ዝተባህለ ናይ ዱባይ ኩባንያ ዝኣተዎ ናይ 30 ዓመት ናይ ወደብ ኣገልግሎት ውዕል ሰሪዝዎ።

ኣብ ኣገልግሎት ምርጋፍን ምኽዛንን ኮንተይነራት ኣህጉራዊ ስም ዘለዎ DP world፣ ካብ 2006 ኣትሒዙ ንወደብ ጅቡቲ ንምክራይ ስምዕ ከቲሙ እኳ እንተጸንሐ፣ እቲ ውዕል ገና 10 ዓመት ከይመልአ’ዩ ተሰሪዙ።

ጠንቒ ምስራዝ እቲ ውዕል፣ ብልሽውና ምዃኑ ዝሓበረ መንግስቲ ጅቡት፣ እቲ ኩባንያ፣ ርትዓዊ ብዘይኮነ ኣሰራርሓ ካብ ዱባይ ንዝመጻ መራኽብ ቀዳምነታት ክህብከምዝጸንሐ ወቒሱ።

 

ወደብ ጅቡቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ እቲ ዝጸዓቐ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ኮይኑ፣ ስሉጥን ዘመናውን ኣሰራርሓ ንምትእትታው’ዩ፣ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ምስ ዘለዎ ናይ ዱባይ ኩባንያ DP world ን30 ዓመታት ዝጸንሕ ውዕል ዝኸተመ።

ኣብ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ዓቢ ስም ዘለዎ DP world ነቲ ብመንግስቲ ጅቡቲ ዝተወስደ ውዕል ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ብምቅዋም፣ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሲ መስሪቱ ይርከብ።

ወደብ ጅቡቲ፣ ብዘይካ’ቲ ንኢትዮጵያ ዝሃቦ ዘሎ ጽዑቕ ኣገልግሎት፣ ኣብ ኣፍሪቃ ጽዑቕ ናይ ንግዲ ምንቕስቓስ እተካይድ ዘላ ቻይና፣ ኣመሪካን ፈረንሳን’ውን ካብተን ብቀዳምነት ዝግልገላሉ ዘለዋ ሃገራት’የን።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0